ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደጋፊ ወራር ዩክሬን ዝዀነ ሩስያዊ ብሎገር ተቐቲሉ


A self-propelled howitzer is towed through a street in Kostiantynivka
A self-propelled howitzer is towed through a street in Kostiantynivka

ሩስያዊ ወተሃደራዊ ብሎገር ቭላድሊን ታታርስኪ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ሰይንት ፒተርስበርግ ኣብ ሓደ ካፈ ብመጥቃዕቲ ቦምብ ተቐቲሉ። 30 ካልኦት ድማ ቆሲሎም።

እቲ ንወተሃደራዊ ወፍሪ ሩስያ ኣብ ዩክሬን እናደገፈ ዝጽሕፍ ዝነበረ ብሎገር፡ ብኸመይ ከምዝተቐንጸለ ዝፈልጥ የለን።

ሓቀኛ ሽሙ ማክሲም ፎሚን ዝኾነ ወዲ 40 ዓመት ታታርስኪ፡ ሩስያ ንኩናት ዩክሬን ዝያዳ ክትደፍኣሉ ይጉስጉስ ኔሩ። ዝሓለፈ ሕዳር፡ ፕረሲደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ነታ ወተሃደራት ሩስያ ገዲፎማ ዝኸዱ ከተማ ከርሰን ኣብ ዝበጸሓሉ እዋን፡ ሞስኮ ስለምንታይ ከምዘይቀምጸለቶ ክፈልጥ ሓቲቱ ኔሩ።

ታታርስኪ ኣብ ሓደ ካፈ ማለት እንዳ ቡን፡ ን100 ዝኾኑ፡ ሰባት መግለጺ እናሃበ ከሎ`ዩ ብመጥቃዕቲ ቦምብ ተቐቲሉ።

ሓደ መርማሪ ኮሚቴ ሩስያ ንሓንቲ ጓል 26 ዓመት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ`ሎ። ድሕሪ ወራራ ሩስያ ንዩክሬን፡ ልዑል ሽም ዘለዎም ደገፍቲ ኩናት ጸሓፍቲ ክቕተሉ፡ ታታርስኪ ካልኣይ`ዩ።

ዳርያ ዱጊና ዝተባህለት ጋዜጠኛ ጓል ሓደ ፍሉጥ ሰዓቢ ተሪር መስመር`ውን ዝሓለፈ ነሓሰ ብናይ መኪና ቦምብ ተቐቲላ`ያ። እቲ ቅትለታት ኣንጻር ደገፍቲ ሩስያ ኣብ ኩናት ዩክሬን`ዩ ዝመስል።

XS
SM
MD
LG