ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦዲንጋ ተቓውሞ ክዓርፍ ጸዊዑ


FILE PHOTO: Nationwide protest over cost of living and President William Ruto's government in Nairobi
FILE PHOTO: Nationwide protest over cost of living and President William Ruto's government in Nairobi

(ዋሽንግተን) መራሒ ተቓወምቲ ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ፡ ንሎሚ ተሓሲቡ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክቋረጽ ብምጽዋዕ ኣብ ክንድኡ ምስ መንግስቲ ልዝብ ንምግባር ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰሙን ዕግርግር ዝመልኦ ናይ ጽርግያ ሰልፍታት ተቓውሞ`ዩ።

ጸረ-መንግስቲ ሰልፍታት ዝሓለፈ መጋቢት 20 ድሕሪ ምብራዑ፡ 3ተ ሰባት ሞይቶም ንብረትን ኣብያተ ንግድን ተዘሚቶም-ኣብታ ደሞክራሲ ትብሃል ሃገር ደወል ስንባደ ደዊሉ- ንጎረባብትን መሻርኽትን ኣሻቒሉ`ዩ።

ንፕረሲደንት ዊልያም ሩቶ ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ምርጫ ብምድንጋር ዝኸሶ ራይላ ኦዲንጋ፡ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ሰልፊ ክግበር ድሕሪ ምጽዋዕ፡ ንሎሚ ሰኑይ ግን “ነታ ሃገር ከምልስ ዝኽእል” ዝበሎ ግዙፍ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክግበር ጸዊዑ ኔሩ`ዩ።

ራይላ ኦዲንጋ እቲ ሰልፊ ክቋረጽ ዝጸውዐ፡ ፕረሲደንት ሩቶ፡ ብዛዕባ መስርሕ ምርጫ ዘጽንዕ ሓደ ፓርላመንታዊ ኮሚቴ ክቐውም ሓሳብ ድሕሪ ምቕራቡ`ዩ።

ድሕሪዚ ምላሽ ዝሃበ መራሒ ተቓዋሚ ራይላ ኦዲንጋ፡ እቲ ሰልፊ ክቋረጽ ብምጽዋዕ፡ ነገር ግን እቲ ልዝብ ፍረ እንተዘየምጺኡ ዳግም ናብቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዝምለስ ኣጠንቂቑ`ሎ።

“ምስ ክቡር ፕረሲደንት ሩቶ ትርጉም ዘለዎ ጽምዶ ወይ ንሕቶና ምላሽ እንተዘይረኺብና፡ ነቲ ሰልፊ ድሕሪ ሰሙን ክንቅጽሎ ኢና “ ኢሉ ኦዲንጋ። ፕረሲደንት ዊልያም ሩቶ ትማሊ ምሸት ነታ ሃገር ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኦዲንጋ ጉዳዩ ኣብ ክንዲ ብጽርግያ ብፓርላማ ከቕርብ ተማሕጺኑ።

“ንሓወይ ራይላ ኦዲንጋን ንደንበ ተቓውሞን ዘቕርቦ ጻውዒት፡ እቲ ተመዲቡ ዘሎ ሰልፍታት ክቋረጽ ክጽውዑን፡ ንኩሉ-ሓቆፍ ፓርላማ ዕድል ብምሃብ፡ ሃገር ንቕድሚት ትቕጽለሉ ኣገባብ ክሰርሑን እጽውዕ ‘ ኢሉ ፕረሲደንት ራይላ ኦዲንጋ- ኬንያውያን ሰላሞም ክዕቅቡን ብሕጊ ክቕየዱን ብምጽዋዕ።

XS
SM
MD
LG