ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ኣምሕራ ንተቓወምቲ ጕጅለ ይጽውዕ


ethiopia
ethiopia

ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ፡ ኣብ ዞባ ዋግ-ህምራ ኣብ ክልተ ወረዳታት ንዝንቀሳቐስ “ኣገው ሸንጎ” ኢሉ ዝጸውዖ ዕጡቕ ጉጅለ ናይ ሰላም መጸዋዕታ ምቕራቡ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ጸጥታን `ቲ ኽልል ኣቶ ደሳለኝ ጣሰው፡ ፍልልያት ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍታሕ፡ መንግስቲ ብተደጋጋሚ ዓብይቲ ዓድን ላዕለዎት መራሕትን ናብቲ ቦታ ብምልኣኽ ናይ ሰላም መጸዋዕታ ምቕራቡ ሓቢሩ`ሎ።

ኣብ ዋግህምራ ክልተ ወረዳታት ዕጥቃዊ ምንቅስቓስ ከምዘካይድ ንድምጺ ኣመሪካ ዝተዛረበ ኣካል ብወገኑ፡ እቲ ናይ ሰላም መጸዋዕታ ከምዝበጽሖ ኣፍሊጡ`ሎ። ትኽክለኛ ሽምና፡ ኣገው ሸንጎ ዘይኮነስ፡ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኣገው`ዩ ዝበለ ሓላፊ ርክባት ወጻኢ`ቲ ምንቅስቓስ ኣቶ ባዬ በሬ፡ ምንቅስቓሱ ምስ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዘለዎ ጸገም ንምፍታሕ ብሽማግለታት ዓዲ ዘይኮነስ ብልዝብ ኢና ክንፈትሖ ንደሊ ኢሉ`ሎ።

በቶም ዕጡቓትን ብምንግስትን ዝተገልጹ ወረዳታት ኣቐድም ኣቢሎም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዕጡቓት ህወሓት ከም ዝነበሩ ክግለጽ ጸኒሑ`ዩ። ኣብ ቀረባ ድማ ዕጡቓት ህወሓት ካብ ኣበርገለ ምውጽኦምን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ነቲ ኸባቢ ምቁጽጻሩን ሰበ-ስልጣን`ቲ ኸባቢ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም ኣለዉ። -

XS
SM
MD
LG