ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ሓግዝ ምዕባዩ ይሕብር


ETHIOPIA-AFAR-UNREST-DISPLACED
ETHIOPIA-AFAR-UNREST-DISPLACED

(ዋሽንግተን) ወሃቢ-ቓል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቲፈን ዱጃሪክ፡ ናብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዝግበር ተበጻሕነት ሰብኣዊ ረድእኤት ምምሕያሹ ገሊጹ።

ዱጃሪክ ኣብ ኔው ዮርክ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዘይ-መንግስታውያን መሻርኽቲ ትካላትን ኣብ ክልላት ዓፋር ኣምሓራን ትግራይን ዝግብርኦ ምንቅስቓስ ምሃብ ረድኤት እናሰፍሐ ምኻዱ ኣፍሊጡ።

“ኣብ ትግራይ ኣብዚ ዓመት`ዚ ልዕሊ 4.7 ሚልየን ሰባት ረድኤት መግቢ ተቒቢሎም፡ ኣብ ዓፋርን ኣምሓራን ድማ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ንደሓር ልዕሊ 2.5 ሚልየን ሰባት ረድኤት መግቢ ተቐቢሎም “ ኢሉ እቲ ወሃቢ ቓል ሕቡራት ሃገራት።

ጁዳሪክ ኣተሓሒዙ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር፡ ኣብ ደቡብን ምብራቕን ዝግበር ምላሽ`ውን ነሐይሎ ኣለና ኢሉ- ኣስታት 11 ሚልየን ሰባት ህጹጽ ረድኤት ከም ዝጽበዩ ብምጥቃስ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ገለ ክፋላት ኦሮሚያን ሶማሊን ዝተራእየ ለበዳ ኮሌራ ንምክልኻል ይስራሕ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ስቲፈን ጁዳሪክ፡ በቲ ሕማም ኮሌራ 51 ሰባት ሙሟቶም ንሰበ-ስልጣን ብምጥቃስ ሓቢሩ። ነዚ ኣብ`ታ ሃገር ዘሎ ጽገማት ንብዳህ ግን ኢሉ ጁዳሪክ፡ ኣብዚ ዓመት`ዚ ዳርጋ 4 ቢልየን ዶላር የድሊ፡ ዛጊት ዘሎ ግን 18 ሚእታዊ ጥራሕ`ዩ።

XS
SM
MD
LG