ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጠበቓታት ትራምፕ ኣብ ከይዲ መስርሕ ክሲ ሓሳባቶም የካፍሉ


Supporters of Trump gather after indictment by Manhattan grand jury, in Palm Beach, Florida
Supporters of Trump gather after indictment by Manhattan grand jury, in Palm Beach, Florida

(ዋሽንግተን) ብኣኽባር ሕጊ ኒው-ዮርክ ክሲ ተመስሪቱሉ ኣቓልቦ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ስሒቡ ዘሎ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ጽባሕ ሰሉስ’ዮም ንፈለማ ግዜ ናብ መጋብኣያ ክቐርቡ። ጠባቓ እቶም ፕረዚደንት ነበር ዝዀነ ጆ ታኮፒና ብኣገልግሎት ቴለቪዥን ABC ተሓቲቱ ነይሩ። ንሱ ብዛዕባ’ቲ ክህሉ ዝኽእል መስርሕ ክገልጽ እንከሎ፤ “ተስፋ ገይረዮ ከም ዘለኹ፡ ቀልጢፍና ኣብ ቅድሚ መጋብኣያ ክንቀርብ’ዩ። ከምቲ ልሙድ መስርሕ መጋብኣያ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈራዶ ቀሪቡ፡ ክስሱ ቃሉ ክህብ’ዩ። ክሱስ ከም ዘወዓሎ ክሕብር’ዩ፡ ድሕሪኡ ቤት ፍርዲ መርትዖታቱ ክእክብን ካልእ መስርሕ ክቕተልን ቆጸራ ክህብ’ዩ፡” ይብል።

እቲ ክሲ ዛጊት ንደገ ኣይወጽአን።

ክኢልታት ሕጊ ከም ዝብሉዎ ግን እቲ ክሲ ካብቲ እቶም ፕረዚደንት ነበር ኣፍ ንምዕባስ ዝኸፈሉዎ፡ ብቐንዱ ናብ ኣተሓሕዛ መዝገብን ሕሳባትን ትካል ትራምፕ ክሰግር’ዩ። ኣብኡ ድማ ምምስራሕን ምትዕርራይን መዝገባት እቲ ቀንዲ ጉዳይ ኰይኑ ክለዓል ከም ዝኽእል ክኢላታት ሕጊ ይሕብሩ።

ጠበቓ ታኮፒና ንኣገልግሎት ዜና ABC እቲ ክሲ ፖለቲካዊ መበገሲ ዘለዎን ድኹምን ምዃኑ ሓቢሩ። ከምቲ ዶናልድ ትራምፕ ዝገለጹዎ ግን እቶም ፈራዶ ጸግዒ ዝሓዙ’ዮም ክብል ከም ዘጸግሞ ይነግር። ንሱ ከም ዝብሎ “ዛጊት ዝዀነ ርክብ ምስ ዘይገበረ ፈራዲ ጸግዒ ኣለዎ ኢልካ ምውንጃል ኣይከኣልን’ዩ፡” ይብል። ስለዚ ድማ ይውስኽ እቲ ጠበቓ፡ እቲ ዳኛ ጸግዒ ዝሓዘ’ዩ ምባል ጌጋ ምዃኑ ይምጕት።

ዶናልድ ትራምፕ ግን ንዳኛ ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ኣኽባር ሕጊ ኒው-ዮርክ ዝዀኑ ኣልቪን ብራግ’ውን’ዮም ተሪር ነቕፌታ ኣቕሪቦም። ብራግ እቲ ክሲ ዝመስረተ ኣኽብራ ሕጊ ምዃኖም’ዩ።

እዚ ነቕፌታ ግን ነቶም ፕረዚደንት ነበር ተመሊሱ ክሃስዮም ከም ዝኽእል ክኢልታት ይሕብሩ ኣለዉ።

ኣቐዲሙ ኣብ ቤት ፍርዲ ማንሃተን ኒው-ዮርክ ጠበቓ ዝነበሩ ስይሩስ ቫንስ ንቴለቪዥን NBC ከም ዝገለጹዎ፡ ከምቲ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ዝህቡዎ ዘለዉ መግለጺ ኣማስያኡ ነቶም ፈራዶ ክጸሉ ዝኽእል’ዩ፤ “ምትእትታው ወይ ድማ ምፍርራሕ ኣብ ዝዀነ መንግስታዊ መስርሕ ሳዕቤናት ክህሉዎ ይኽእል’ዩ። ኣብ ከምዚ ዝመስል ብፈረዶ ዝግበር መስርሕ ድማ ነቶም ኣባላት እቲ መጋብኣያ ነቲ ጉዳይ ኣትሪሮም ክምርምሩ ድፍኢት ዝገብር’ዩ፡” ይብሉ እቶም ጠበቓ ነበር።

ዳኛ ነቶም ፕረዚደንት ነበር ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ንደገ ከይዛረቡን ሓሳባቶም ከይህቡን ክኽልክሎም ከም ዘጸግም ግን ካልኦት ክኢላታት ሕጊ ይገልጹ። ሓደ ካብ ጠበቓታት እቶም ፕረዚደንት ዝዀነ ጂም ትራስትይ ንመደበር ቴለቪዥን ፎክስ ነዊው ከም ዝሓበሩዎ፡ እቲ ቀንዲ ምጕት ትራምፕ ንፕረዚደንትነት ይወዳደሩ ብምህላዎም’ዩ።

“ከም ዝመስለኒ፡ ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝቀራረብ ንዘሎ ሰብ ብዛዕባ’ቲ ከይዲ ኣፍካ ዕበስ ክትብሎ ከቢድ’ዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ዳኛ ከምኡ ዝመስል ትእዛዝ ከሕልፍ ዝኽእል ኣይመስለንን። ንሱ እንተ ተገይሩ ግን ኣብ ምሉእ ሃገር ከቢድ ሳዕቤን ክህሉዎ’ዩ፡” ዝበሉ ጠባቓ እቶም ፕረዚደንት ዝዀኑ ጂሚ ትራስትይ’ዮም።

ጠባቓታት እቶም ፕረዚደንት ነበር፡ ሰሉስ ናብ ቤት ፍርዲ ኒው-ዮርክ ክቐርቡ እንከለዉ፡ ልዑል ሓለዋ ክህሉ ምዃኖም ገሊጾም። ትራምፕ ጽባሕ ሰሉስ ኣብቲ ዝህሉዎም ናይ ፈለማ ቤት ፍርዲ ኣሰር ኣጻብዕቶም ክውሰድ፡ ስእሎም ክለዓልን ክሶም ክንበበሎምን’ዩ።

ሰሉስ ምሸት፡ ቤት ጽሕፈት ትራምፕ፡ ኣብ ናይ ፍሎሪዳ መንበሪኦም ማር-ኣ-ላጎ (Mar-a-Lago) መብርሂ ክህቡ ትጽቢት ይግበር። እዚ ምዕባለታት ዶናልድ ትራምፕ ወፍሪ ምርጫ 2024 ኣብ ዘበግሱሉ እዋን’ዩ ዝኸውን ዘሎ።

XS
SM
MD
LG