ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ልዕሊ ፈጠርቱ ከይምዕብል...


FILE PHOTO: Illustration shows ChatGPT logo
FILE PHOTO: Illustration shows ChatGPT logo

ኣርተፊሻላዊ ብልሒ፡ ኣብ በበይኑ መዓላታት ኣትዩስ ንሕክምናዊ፡ ፋይናንሳዊን ካልእ ኣገልግሎታትን ኣብ ምቅላል ዓቢ ተራ ይጻወት ኣሎ። እዚ እናዀነ ግን፡ እቲ ዓውዲ ብዝኸዶ ዘሎ ገስጋስ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ስራሓት ንህይወትን ድሕነትን ሰብ ሓደገኛ ከይከውን ሻቕሎት’ውን ይፈጥር’ዩ። ሓደ ካብኡ ብሰብ ዝስራሕ ዕዮ ከይኣሊ ዘሎ ስክፍታ’ዩ።

ሓደ ኣብነት ናይዚ ብኣዝዩ ፍጡን ገስጋስ ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለታት ኣረተፊሻላዊ ብልሒ ቻት-ጂፒቲ (ChatGPT) ዝተሰምየ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ህዝቢ ዝተዘርግሐ’ዩ። እዚ 3.5 ሞዴል በጺሑ ዘሎ ጃት-ጂፒቲ፡ ዕዮ-ገዛ ክሰርሕ፡ መርመራታት ተፈቲኑ ክሓልፍ፡ ንድፊ ዕዮ ባዕሉ ሰሪሑ ከቕርብ፡ ኪንዮኡ’ውን ክሳብ ግጥሚ ክጽሕፍ ስለ ዝኸኣለ፡ ማዕረ’ቲ ዝፈጠሮ ደስታ ሻቕሎት’ውን ኣኸቲሉ ኣሎ።

ሓድሽ ምዕባለ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ፡ ብቐንዱ ድማ ቻት-ጂፒቲ ዘሰከፎም በበይኖም ትካላት ነቲ ኣፕ ኣብ ስራሕቶም ከይጥቀም ከልኪሎም ኣለዉ። ካብ መንጎ’ዚ ሓያሎ ዩኒቨርስታት ተመሃሮ በቲ ኣፕ ኣቢሎም ዕዮ ገዛ ክስራሑ ስለ ዝጀመሩ፡ ቅልጡፍ ክልከላ ኣንቢረን።

ኪንዮ ዩኒቨርስታትን ትካላትን፡ ኢጣልያ’ውን ንጃት-ጂፒቲ ዝኸልከለት ቀደመይቲ ሃገር ኰይና ኣላ። ኢጣልያ ብቐንዱ ነቲ ኣብ ምጽሓፍ ዝሕግዝ ናይ መርበብ ቻት ጂፒቲ’ያ ከልኪላ ዘላ። እቲ ምኽንያት ድማ እቲ ትካል ንመሰል ብሕትውና ተጠቅምቲ ምሉእ ብምሉእ ዘይምትግባሩ ምዃኑ ሓገግቲ ኣካላት እታ ሃገር ሓቢሮም።

ኣብ ቀረባ ግዜ መራሕቲ ሓያሎ ትካላት ቴክኖሎጂ፡ ካብ መንጎኦም ሓላፊ ቲውተር ኢላን ማስክን ካብ መስረትቲ ኣፕልን ዝዀነ ስቲቭ ዎዝኒያክን ኣብ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ቻት-ጂፖቲ ዝግበር ዘሎ ገስጋስ ምዕባለ ደው ክብል ጸዊዖም። ቻት ጂፒቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን 3.5 ዝተብሃለ ደረጃ ሞዴል ዝበጽሐ ኰይኑ፡ እቶም መራሕቲ ትካላት ዝቃወሙዎ ዘለዎ ነቲ ብሕጂ ክስራሕ ዝቀራረበ ዘሎ ሞዴል 4.00 ዝተሰምየ ምዕባለ’ዩ።

ከም ምሕጽንታ እቶም ፈረምቲ፡ እቲ ዝግበር ዘሎ ገስጋስ ንውሕስነት ተጠቀምቲ ቦታ ዘይህብን እኹል ናይ ድሕነት ስራሓት ኣይተገብሮን ብዝብል’ዩ።

ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ንስራሕ ሰብ ከይወስድ ሻቕሎት ብዙሓት’ዩ። ኣብቲ ዓውዲ ነዊሕ መጽናዕቲ ዝግበሩ ወገናት ግን ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዘለዎ ውስኑነት ብምግንዛብ፡ ክሳብ ክንድኡ ኣሻቓሊ ዘይምዃኑ ይሕብሩ። ኤድዋርድ ጌስት ሓደ ካብቶም ኣብ መጽናዕታት ፖሊሲ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ነዊሕ ዝሰርሐ’ዩ። ንሱ ከም ዝብሎ፡ ንማሺን ከተማዕሎን ምስ ዝመጽአ ለውጢ ክትምህሮን ግዜ ስለ ዝወስድ፡ ነቲ ኵሉ ብሰብ ዝግበር ስራሓት ክገጥሞ ኣይክእልን’ዩ። ማሺናት ዝኽሪ’ውን ስለ ዘይብሉ ድማ ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝፈሪ ስራሓት ርኡይ ሃጓፍ ከም ዘለዎ ጌስታ ይገልጽ። እቲ ቀንዲ ውሱንነት ኣርተፊሻላዊ ብልሒ፡ ዘይ ከም ሰብ፡ ነብሱ ከማዕብልን ባዕሉ ክመርሃን ዘይኽኣሉ’ዩ።

ኣፍረይቲ ትካላት ነቲ ገስጋስ መግትኢ ክገብራሉ ደኣ ይተሓተታ እምበር፡ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዘለዎ ተኽእሎ ግን ውሑድ ይመስል--ከም ክኢላታት እዚ ዓውዲ። ኣብዚ መደይ እቲ ቀንዲ ዝጥቀስ ኣብ መንጎ እተን ኣፍረይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ዘሎ ውድድር’ዩ። ኩባንያታት ጉግል ወይ ድማ ማይክሮሶፍት፡ ገንዘብ ንምግብርን ኣብ መንጎ ንሓድሕን ዘለወን ተወዳድርነት ንምርኣይን ነቲ ስራሕ ብዝዀነ ዋጋ ክቕጽለኦ ምዃነን ዳይረክተር ማእከል ስትራተጂ ቴክኖሎጂ ዝዀነ ጃምስ ልዊስ ንድምጺ ኣመሪካ ሓሳባቱ ኣካፊሉ።

ብቻይና፡ ኣብዚ ዓውዲ፡ ክቐርብ ዝኽእል ተወዳድርነት እቲ ካልእ ስክፍታ ኣመሪካውያን’ዩ። በቲ ኣብ በበይነን ሃገራት ምዕራብ፡ ካብኡ ድማ ብቐንዱ ኣብ ኣመሪካ ዝመጽእ ዘሎ ጸቕጢ፡ ነቲ ተበግሶ ናይ ምትዕንቓፉን ምድንጓዩን ተርእዮ ከጋጥም ከም ዝኽእል ንጹር’ዩ። ቻይና ግን ነቲ ስራሕ ደው ከተብሎ ከም ዘይምዃና ሓያሎ ስክፍታኦም የቐምጡ። እተን ኣብ ቴክኖሎጁ ዝመርሓ ዘለዋ ሃገራትን ትካላትን ብማዕረ እንተ ዘይቀጺለንን ኣብ ምርድዳእ ዘይበጺሐንን ክህሉ ዝኽእል ጋግ ሻቕሎት ይፈጥር ኣሎ።

ሓያሎ ኣመሪካውያን ተማጐትቲ የቕርቡዎ ከም ዘለዉ ድማ፡ ኣመሪካ ነቲ ስራሕ ኣደንጉያ፡ ቻይና ምስ እትቕጽል ዳሕራይ ንምርካባ ከጸግም’ዩ። ቻይና ማዕረ እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝርአ ዘሎ ናይ ስነ-ምግባር ሕቶ ከም ዘይተቐድም ድማ ሓያሎ ይሰማምዑ። ኣብ ክንድኡ መንግስቲ ቻይና ኣብቲ ጽላት ዝግበሮ ዘሎ ገዚፍ ፍይናንስ ንሓይሊ ሚዛን ናበይ ከም ዘብሎ ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ነዚ ዘሎ ጋግ ኣረዳድኣ ከም መተዓረቒ ኢሎም ገለ ወገናት ዘቕርቡዎ ምጉት፡ ኣብ ክንዲ ከም ዘለዎ ምኽልካሉ፡ ነቲ ከምጽኦ ዝኽእል ሃስያን ሳዕቤንን ብግቡእ መርሚርካ ምርኣዩን ብዛዕባ’ቲ ኣሰካፊ ወገናቱ ብግልጺ ምዝራብን’ዩ። እቶም ንዝያዳ ምብህሃል ዝዕድሙ ወገናት ድማ እቲ ቀንዲ ክስራሓሉ ዘለዎ ወገን ኣብ ጉዳይ ስነ-ምግባር ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝምዕብል ስራሓት’ዩ። ንድሕነት ዜጋታት ዘውሕስ፡ ንመሰል ተገልግልቲ ዘይግህስን ቅድሚ ናብ ህዝቢ ምውራዱ ዓሚቝ ምርምር ዘድልዮ ስራሕትን ምግባር እቲ ቀንዲ ኣማራጺ ምዃኑ ከኣ እቶም ሓሳባቶም ዘቕምጡ ዘለዉ ይዛረቡ።

XS
SM
MD
LG