ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበር ምሁራንን ሞያውያንን ትግራይ ንጀነራል ጻድቃን ምኽታል ፕረ.ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገይሩ ሓጽዩ


ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ፡ ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝሳተፉ ምክትል ፕረዚደንትን ሓለፍቲ ቢሮን ከም ዝመዘዘ ምንጭታት ድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

ብመሰረት’ዚ፡ ሌተናል ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ብደረጃ ምክትል ፕረዚደንት፣ ዶ/ር ኣልጋነሽ ተሰማ ሓላፊት ሳይንስ፡ ቴክኖሎጂ ምርምርን ምህዞን፣ ዶ/ር ገብረሂወት ኣገባ ሓላፊ ኢንዱስትሪ፣ ዶ/ር ኣጽባሃ ገብረዝጊሄር ሓላፊ ቱሪዝም፣ ዶ/ር ሓድሽ ተስፋ ገብረኣብ ሓላፊ ዘፈር ፍትሒ ኮይኖም ንክሰርሑ ሓጽዮዎም ኣሎ።

ዓለምለኸ ማሕበር ምሁራት ትግራይ፡ ኣብ ደብዳበኡ ከም ዘምልከቶ ነቶም ሕጹያት ዘቕረበ ብመሰረት ካብ ኮሚተ መጣየሲ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝመጾ ዕድመ’ዩ። ሕጸ ማሕበር ምሁራንን ሞያውያንን ትግራይ ብወግዓዊ መራኸቢታት እቲ ክልል’ውን ተሓቢሩ ኣሎ።

መግለጺ እቲ ማሕበር፡ ሕጸኡ በቲ ኮሚተ ክንጸግ ወይ ክጸድቕ ዘለዎ ተኽእሎ ኣየመልከተን።

XS
SM
MD
LG