ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕዉት ሻምፕዮን ኣፍሪቃ [ሄኖክ ምሉእብርሃን] ንዙር ሩዋንዳ 2023’ውን የጣምር


Tour Du Rwanda 2023 Winner Henok Mulubrhan with Pres. Paul Kagame @ktpressrwanda
Tour Du Rwanda 2023 Winner Henok Mulubrhan with Pres. Paul Kagame @ktpressrwanda

(ዋሽንግተን ዲሲ) ሎሚ ሰንበት ኣብ ዝተዛዘመ ሻሙናይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ጋንታ ግሪን ፕሮጀክት ሄኖክ ምሉእብርሃን ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ዕዉት ዛዛሚ መድረኽን ብድምር ውጽኢትን ብምዃን ዘውዲ ውድድር ዙር ሩዋንዳ 2023 ደፊኡ። ተዓዋቲ ሄኖክ፡ ናይ ክብሪ ማልያ ብመገድ ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋመ ተኸዲኑ።

ዕዉት ሳልሳይ መድረኽ’ውን ዝነበረ ሄኖክ፡ ኣብ መብዛሕትኦም መድረኸት ምስ ቀዳሞት ክኣቱ ድሕሪ ምቕናይ፡ ነቶም ሓላፍ-ዘላፍ ውጽኢት ከመዝግቡ ዝቐነዩ መተሃላልኽቱ በሊጹ’ዩ ቀንዩ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ሻሙናይ መድረኽ ንሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ወኪሉ ዝተወዳደረ ጆሰፍ ፔተር ብልክሙር ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ፡ ምስ ጋንታ ቶታል ኢነርጂስ ተሓቚፉ ዝወዳደር ቪክቶር ፓርተ ደላ ድማ ሳልሳይ ወጺኡ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ሻሙናይ መደረኽ፡ ኤርትራዊ ተሰላፊ ክለብ ባይክ ኣይዳ ዝዀነ ዳዊት የማነ ሻዱሻይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ።

ኣብ ኩሉ መድረኻት ብሓፈሻዊ ግዜ፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን ብተመሳሳሊ ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ኢጣያዊ ዋልተር ካልዞኒ ድማ ካልኣይ ኰይኑ ኣሎ። ንዙር ሩዋንዳ ሳልሳይ ኰይኒ ዝዛዝመ ዊልያም ሉሰርፍ ክኸውን እንከሎ፡ ሕጂ’ውን ኣብ ሓፈሻዊ ግዜ ኤርትራዊ ዳዊት የማነ ሻውዓይ ተርታ ተሰሪዑ ኣሎ።

ዙር ሩዋንዳ ኣብ 2019 ብዓለምለኸ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ናይ 2.1 መዕቀኒ ብቕዓት ዝረኸበ ኰይኑ፡ ንሓያሎ ስሙያት ተቐዳደምቲን 19 ክለባትን ዓለም’ውን ዝሓቘፈ’ዩ ነይሩ። ካብ መንጎ’ቶም ኣብዚ ዙር 2023 ዝተሳተፉ፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ዙር ፈረንሳይ ዝተዓወተ እንግሊዛዊ ክሪስ ፍሩም ይርከቦም።

ኤርትራዊት ዳኒኤል ተኽለሃያማኖት፡ ዕዉት ዙር ሩዋንዳ 2010 ምዃኑ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር’ውን ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኰይኑ ተወዳዲሩ ነይሩ።

ኣብ መጀርያ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ኣብ ኣክራ ጋና ዝተቓንዐ ሻምፕዮን ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2023 ዝተዓወተ ሄኖክ ምሉእብርሃን፡ ብተመሳሳሊ’ውን ንውድድር ዙር ሩዋንዳ 2023 ክዕወተሉ ተተስፍዩን ምድላዋት ገይሩ ምህላዉን ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ ጠቒሱ ነይሩ።

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ በበይኑ እዋን ንውድድር ዙር ሩዋንዳ ክዕወትሉ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ኣብ 2019 መርሃዊ ቅዱስ፣ ኣብ 2020 ከምኡ’ውን 2022 ድማ ብዓወት ናትናኤል ተስፋጽዮን’ዩ ተዛዚሙ።

ሩዋንዳ ሻምፕዮን ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም 2025 ንምንእጋድ ብዓለማዊ ፈደረሽን ብሽክለታ (UCI) ተመሪጻ ኣላ። እዚ ዓቢ ውድድር ኣብ ኣፍሪቃ ክእንገድ ንፈለማ እዋኑ’ዩ ክኸውን።

XS
SM
MD
LG