ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 36 ጉባኤ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ተዛዚሙ፣ ናጻ ንግዲ ዝዓበየ ኣቓልቦ ተዋሂቡ


African Union holds annual heads of state and government summit in Addis Ababa
African Union holds annual heads of state and government summit in Addis Ababa

(ኣዲስ-ኣበባ) ንዝሓለፋ ክልተ መዓልታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝፀንሐ መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ትማሊ ኣማስያኡ ተዛዚሙ።

ኣብቲ ጉባኤ ቀንዲ መዘራረቢ ዛዕባ ዝነበረ ጉዳይ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪቃ ክኸውን ከሎ፡ ሽበራ ዕልዋታት መንግስቲን ትሕተ ቅርፅንታትን ምንባሩ ተፈሊጡ’ሎ።

ናይ 2023 ኣቦ መንበረ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኖም ዝተመረፁ ናይ ኮሞሮስ ፕረዚደንት ኣዛሊ ኣሱማኒ እቲ ሕብረት ኣብ መበል 18- ጉባኤ’ቲ ውድብ ንዝተወጠነ ዞባ ናፃ ንግዲ ኣፍሪቃ ንኽትግበር ተጊሆም ከም ዝሰርሑ ገሊፆም’ለዉ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ መሳ ፋኪ ማሃማት ብወገኖም እቲ ሕብረት ንምንቅስቓስ ናፃ ናይ ንግዲ ዞባን ምግትእ ተግባራት ሽበራን ኣበርቲዑ ክሰርሕ ምዃኑ ቃል ኣትዮም።

ኮሚሽነር ጉዳያት ሰላምን ፀጥታ ሕብረት ኣፍሪቃ ባንኮሌ አዴዮዩም ብወገኖም ኣብ ሓደሓደ ከባቢታት ኣፍሪቃ ዝርኣዩ ዘለዉ ፀገም ስእነት ሰላም ትኹረት ተዋሂቡዎ ይስርሓሉ ኣሎ ክብሉ ተዛሪቦም’ለዉ።

ኣብ መጀመርታ መዓልቲ’ቲ ትማሊ ሰንበት ዝተዛዘመ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ መደረ ጌሮም ዝነበሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክልል’ታ ሃገር ተፈጢሩ ዝነበረ ቅልውላው ብሸምጋልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ምፍትሑ ከም ዘሓጐሶም ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒተር ኣብይ ኣብ መደረኦም ኣፍሪቃ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ቀዋሚ መንበር ክዋሃባ'ውን ሓቲቶም። ኣብቲ እዋን ንሕቶ’ቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ምላሽ ዝሃቡ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉተሬስ እቲ ሕቶ ግቡእ ምዃኑን ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ፅጥታ’ዉን ኣፍሪቃ ክትውከል ከምዘለዋ ከም ዝኣምና ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ጠቂሶም’ዮም።

XS
SM
MD
LG