ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤላዊት ዲፕላማሰኛ ካብ ኣኼባ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ድሕሪ ምብራራ ምትፍናን ይዓቢ


African Union
African Union

(ዋሽንግተን) እስራኤላዊት ዲፕሎማሰኛ፡ ካብ መጋብኣያ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ድሕሪ ምስጓጓ፡ ኣብ መንጎ እቲ ሕብረትን እስራኤልን ዘሎ ምትፍናን ከም ዝዓረገ ሮይተርስ ኣስፊሩ።

ኣቦ-መንበር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፈኪ ማሃማት፡ ንኣምባሳድር ሻሮን ባር-ሊ ናብቲ ኣኼባ ዝዓደመ ሰብ መርመራ ይካየደሉ ምህላዉ ንመራኸቢ ብዙሃን ሓቢሩ። እቲ ኣቦ-መንበር ዝዀነ እስራኤላዊ ዲፕሎማሰኛ ከም ዘይተዓደመ’ዩ ኣስሚሩ።

ድሒሩ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መርመራታት ግን ናብቲ ዋዕላ ዝተዓደመ ኣምባሳድር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ኣለለኝ ኣድማሱ እምበር ሻሮን ባር-ሊ ዘይምንባራ ይሕበር ኣሎ።

እስራኤል ኣብቲ ሕብረት ተራ ዘለወን ደቡብ ኣፍሪቃን ኣልጀሪያን እተን ቀንዲ ጠንቂ ምዃነን ትኸስስ።

ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት እስራኤል፡ ኣምባሳድር ሻሮን ባር-ሊ ካብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ናይ ተዓዛብነት ምሉእ ፍቓድ ከም ዝነበራ ሓቢሩ።

ኣብቲ ጉዳይ ከም ቀንዲ ጠንቂ ዝተወስደት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጠቕላሊ ቆንስል እስራኤል ኣብ ፕሪቶሪያ መጠንቀቕታ ከም ዝተዋህቦ ኣፍሊጣ ኣላ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እስራኤል ኣብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ናይ ተዓዛብነት ቦታ ክህሉዋ ኣትሪራ’ያ እትቃወም።

ኣልጀሪያ ነቲ ብእስራኤል ዝቐረበላ ክሲ ኣመልኪታ ዛጊት ምላሽ ኣይሃበትን--ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ። ደቡብ ኣፍሪቃ ግን ንነዊሕ እዋን ተደናጋጺት ህዝቢ ፍልስጤም ምዃና ይሕበር።

XS
SM
MD
LG