ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሬሳ ተጻዋታይ ክርስቲያን ኣትሱ ጋና ኣትዩ፣ ምኽትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ተቐቢሉዎ


Soccer-Ghana winger Atsu's body arrives in Accra
Soccer-Ghana winger Atsu's body arrives in Accra

(ዋሽንግተን) ኣብ ቱርኪ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድሕሪ ምማቱ፡ ሬሳ ጋናዊ ተጻዋታይ ክርስቲያን ኣትሱ ትማሊ ሰንበት ናብ ጋና ኣትዩ። ሬሳ’ቲ ነዊሕ እዋን ደሃይ ኣጥፊኡ ዝጸንሐ ተጻዋታይ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኮቶኮ ኣክራ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ምኽትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ማሃማዱ ባዉሚያ ዝርከቦም ሓያሎ ደገፍቱ ከም ዝተቐበሉዎ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ። እቲ ሬሳ ብወታሃደራዊ ማርሽ ተዓጂቡ ካብ ማዕርፎ ነፈርቲ ወጺኡ።

ወዲ 31 ዓመት ኣትሱ፡ ካብ 6 ለካቲት ኣትሒዙ ደሃይ ኣይነበሮን። ኣብ መወዳእታ ግን ኣብቲ ዝነብረሉ ከተማ ሃታይ ኣብ ፍርስራስ ገዛኡ፡ ሬሳኡ ተረኺቡ።

ኣትሱ፡ ሰዓታት ቅድሚ’ቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብቲ ቦታ ክወጽእ መደብ እኳ እንተ ነበሮ፡ እንተዀነ ንጋንታኡ ኣዐዋቲት ሸቶ ድሕሪ ምምዝጋቡ፡ ኣብ መወዳእታ ሰዓታት ጻንሖቱ ከናውሕ ምውሳኑ ኣካያዲ ስራሕ እታ ክለብ ሓቢሩ።

ኣትሱ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ጋና፡ 65 ዋንጫታት ኣብ ምዕታር ዘበርከተ ኰይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ወኪሉ ዝተጻወቶ፡ 2019’ዩ ነይሩ።

ኣብ ቱርኪ ብዝወደቐ 7.8 ሬክስተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ህይወት 45,000 ዜጋታት እታ ሃገር ወሲዱ ንሚልዮናት ድማ ብዘይ መንበሪ ሓዲጉ’ዩ።

XS
SM
MD
LG