ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኮሎምቢያ ምስ ዕጡቕ ጕጅለ ዘተ ሰላም ጀሚሩ


መንግስቲ ኮሎምቢያ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዝነጥፍ ዝዓበየ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ኣብ መክሲኮ፡ ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሩ ዝርርብ ሰላም የካየድ ኣሎ። “ሃገራዊ ግንባር ናጽነት” ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ጕጅለ ደባይ ተዋጋእቲ ኮሎምቢያ፡ ፈላሚ ዝርርብ ሰላም ጀሚሩ እኳ እንተ ነበረ እቲ ዘተ ግን ኣብ 2019 ኣቋሪጹ።

እዚ ኣብ መክሲኮ ጀሚሩ ዘሎ ዝርርብ ሰላም፡ ካልኣይ እብረ ናይቲ ኣቐዲሙ ኣብ ቬንዙዋላ ዝተበገሰ ዘተ ኰይኑ፡ እቲ ቀዳማይ እብረ ተስፋ ሂቡ ነይሩ።

ትማሊ ሰኑይ ተጀሚሩ ዘሎ ዘተ ነቲ ኣብታ ሃገር ን60 ዓመታት ዝተኻየደ ዕጥቃዊ ጎንጺ ኣንፈት ክህብ ዝኽእል’ዩ። ወኪል መንግስቲ ኮሎምቢያ፡ እቲ ዝርርብ ንዜጋታት እታ ሃገር ዘሰንኰረ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ መኸተምታ ክገብር ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ። ወኪል እቲ ዕጡቕ ግንባር ብግደኡ፡ እቲ ርክብ ንዘላቒ ሰላም ኣበርክቶ ክህሉዎ ተስፋኡ ኣካፊሉ፡ ነቲ ምስ ቅድሚኡ ዝነበረ መንግስቲ ዝጸንሐ ስእነት ምትእምማን ዝሓሸ ፍታሕ ከምዝህልዎ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ ሎክህሉዎ’ውን ወሲኹ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመርጸ ጸጋማዊ ፕረዚደንት ጉስታቮ ፔድሮ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ምስቶም ዕጡቓት ጕጅለ ንዘተ-ሰላም ከም ዘንቀለ ይፍለጥ። መራሒ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ግን ፕረዚደንት ፔድሮ ነቲ ግንባር ምስ መራሕቲ ኣዘዋወርቲ ዘይሕጋዊ ዕጸ-ፋርስ ማዕረ ገይሩ ምዝራቡን ሰላም ከስፍን ምፍታኑን ይነቅፍ።

መስክሲኮ፡ ኖርወይ፡ ቬንዙወላ፡ ቺለን ኲባን ኣውሓስቲ ናይቲ ዝርርብ ሰላም ኮይነን ተመዚዘን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG