ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብረ-ሓይሊ ኢትዮጵያ ኣማኢት ተጠርጠርቲ ይቕይድ


Ethiopia Patriots Victory Day
Ethiopia Patriots Victory Day

(ዋሽንግተን) "ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ዙርያኣን ሸበራ ህውክትን ዕግርግርን ንምፍጣር ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ ፀረ-ሰላም ሓይልታት ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ውዒሎም፡" ክብል ግበረ ሓይሊ ፀጥታን ደሕንነትን ገሊፁ።

እቲ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ደሕንነትን ቅድም ክብል ኣብ ዝገበሮ ገምጋም ንዝነበሩ ስግኣታት ብምፍላይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከባኢኣን ብዘካየዶ ዝተወደደ ስርሒት ዝተታሕዙ ተጠርጠሪን ኣፅዋርን ውፂኢት’ቲ ምርመራ ኣብ ዝቕፅል ነቲ ሕብተተሰብ ከም ዘፍልጥ ምግላፁ ይዝከር። ስለዝኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ክልል ኦሮምያ ይውሰድ ብዘሎ ዝተወደደ ሕጋዊ ስጉምቲ ተሓቢኦም ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምእታው መጥቃዕቱቲ ሽበራ ክፍፅሙ ይንቀሳቀሱ ኔሮም ዝበሎም 107 ኣባላት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ ሸኔ) ንመጥቃዕቲ ዝጥቀምሎም ዝበሎም ኣፅዋርን ዝተፈላለዩ ኣልባሳትን ተታሒዞም ኢሉ’ሎ።

ብተመሳሳሊ’ውን "ኣባላት ፅንፈኛ ጉጅለ ፋኖ ከም ከውሊ ብምጥቃም ን ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ማእከል ህውከት ንምግባር ስኑዕ ወረቓቕቲ መንነት ብምሓዝ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ብምእታዉ ዝተለዕሉ ሓደሓደ ሕቶታት ኣንፈት ስሒቶም ንእኩይ ዕላማ ብምጥቃም ህዝቢ’ታ ከታማ ብብሄር ንምግጫዉን ህውከትን ዕግርግርን ንምፍጣር ከምኡ’ዉን ብዝተፈላለየ ዕጥቂ ዝተሓገዘ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ ዝበሎም 109 ኣባላት’ቲ ጉጅለ ምስ ዝጥቀምሉ ኣፅዋራር ዝተፈላለዩ ኣልባሳት ተታሒዞም፡" ኢሉ’ሎ።

ብኻልእ ወገን ድምፂ ኣልባ በላሕቲ ኣፅዋር ጌሮም ንሰባት ብምጉዳእ ዝዘርፉ ዝነበሩ 155 ተጠርጠርቲ ተሓባበርቶምን ምስ ምስ ዝዘረፍዎን ንምዝራፍ ዝጥቀሙ መሳርሕን ተታሒዞም ጉዳዮም ይፃረ ከም’ሎ ክብል እቲ ግብረ ሓይሊ ኣብቲ መግለፂ ኡ ኣፍሊጡ’ሎ።

ብሓፈሻ ንምርግጋፅ ሰላምን ደሕንነትን ኣዲስ ኣበባ ከባቢኣን እቲ ግብረ ሓይሊ ምስ ህዝቢ ብምትሕብባር ኣብ ዘካየዲ ስርሒት 371 ተጠርጠርቲ ተታሒዞም ጉዳዮም ይፃረ’ሎ ኢሉ’ሎ ኣብ መግለፂኡ።

ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ መንግስቲ ሸኔ ኢሉ ካብ ዝፅውዖ ግን ንባዕሉ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ’የ ካብ ዝብል ጉጅለ ይኹን ወኪል ፋኖ’የ ካብ ዝብል ኣካል ብወግዒ ዝተዋህበ መግለፂ የለን።

XS
SM
MD
LG