ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከንቲባ ከተማ ኒው-ዮርክ፤ “ንስደተኛታት ዝኸውን ቦታ የብልናን”


FILE PHOTO: New York City Mayor Eric Adams visits El Paso, Texas
FILE PHOTO: New York City Mayor Eric Adams visits El Paso, Texas

(ዋሽንግተን) ብሰንበት ናብ ዶባዊት ከተማ ኤልፓሶ ቴክሳስ ዝተጓዓዘ ከንቲባ ከተማ ኒው-ዮርክ፡ ኤሪክ ኣዳምስ፡ ከተማኡ ነቶም ብኣውቶቡሳት ተጻዒኖም ኣብ ኒው-ዮርክ ዝራገፉ ስደተኛታት ዝኸውን ስፍራ ከም ዘይብላ ገሊጹ። እቲ ከንቲባ ነዚ ዝተዛረበ፡ ካብ ዶባት መክሲኮ ንዝኣተዉ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ኣውቶቡሳት ብምስፋር ናብተን ሊበራላዊ ኣረኣእያ ዘለወን ከተማታት ተሓፊሶም ብጃምላ ስለ ዝግደፉ’ዩ። እዚ ተግባር ብኣባላት ሰልፊ ርፓብሊካን ዝዀኑ ኣመሓደርቲ፡ ብቐንዱ ድማ ናይ ቴክሳስ ዝተጀመረ’ዩ።

እቲ ከንቲባ፡ ንሰልፊ ደሞክራት ኣብቲ ጉዳያ ዘለዎም ኣተሓሕዛ’ውን ነቒፉ ኣሎ። ምምሕዳር ባይደን ድማ ስራሑ ክሰርሕ ጸዊዑ።

ብኣውቶቡሳት ተሓፊሶም ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ዝርጋፉ ስደተኛታት፡ ነታ ንርእሳ ብስእነት ኣባያቲ እትሳቐ ከተማ፡ ተወሳኺ 2 ቢልዮን ዶላር ወጻኢታት ክትገብር ከም ዘገደዳ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።

XS
SM
MD
LG