ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወ/ቃል ሕቡራት ሃገራት፤ "ዝያዳ ሓገዝ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓርን የድሊ"


Aid to Tigray
Aid to Tigray

ኣብ ኣብ ኢትዮጵያ ብጎንፂ ዝተተንከፈ ክፍልታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሰብኣዊ ረድኤት ኣዝዩ የድልዮም’ሎ ክብሉ ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጦም።

ስቲፈን ዱጃሪክ ብዓርቢ ኣብ ኒዮርክ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፡ ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ምእታዉ ምቕጻሉ ገሊጹ። እቲ ወሃብ ቃል ወሲኹ፡ እቲ ምቁራፅ ተፃብኦ ካብ ዝግበር ካብ ፍርቂ ሕዳር ንነጀዉ ኣስታት 3-ሽሕ ናይ ፅዕነት መኻይን ልዕሊ 105-ሽሕ ሜትሪክ ቶናት መግቢ ንኽንክን ጥዕና ንመፅለልን ዝኸውን ናውቲ ማይን ካልኦት ቀረባትን ሒዘን ናብቲ ክልል ብ ኣርባዕተ ኣንፈት ኣቢለን ከም ዝኣተዋ ገሊፆም።

ካብ ፍርቂ ሕዳር ንነጀዉ ንልዕሊ 3-ሚልዮን ሰባት መግቢ ከም ዝተዓደለ ዝገለፁ ዱጃሪክ ብሸነኽ ሰሜን ገለ ካብ ቀንዲ መንገዲ ወፃኢ ዘለዉ ከባቢታት ዶብ ሓዊሱ ገለ ከባቢታት ንምብፅሑ ኣዝዩ ኣፀጋሚ ምዃኑ ተዛሪቦም። ምዕዳል መግቢን ካልኦት ቀረባትን ከም ዝቀፀለ ዝገለፁ እቶም ምኽትል ዋና ፅሓፊ ሕቡራት መንግስታት ግን ብፍላይ ሰባት ናብ ኣባይቶም ኣብ ዝተመለስሉ ከባቢታት ሓዊሱ ክፍተት ከም ዘሎ ገሊፆም።

ንኻልእ ወገን ኣብ ምብራቃውን ደቡባዊን ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ማሕበረ-ሰባት ብሰንኪ’ቲ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ዘጥቀዓ ደርቂ ኣብ ፀገም ከምዝርከቡ ተገሊፁ’ሎ።

XS
SM
MD
LG