ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀዳማይ 3ተ ወርሒ ባጀት ዓመት፡ 1.8 ሚልየን ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝኸፈተ ኣፍሊጡ


Ethiopia park
Ethiopia park

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀዳማይ 3ተ ወርሒ ባጀት ዓመት፡ 1.8 ሚልየን ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝኸፈተ ኣፍሊጡ።

ቪኦኤ ዘዘራረቦ በዓል-ስልጣን ሚንስትሪ ዕዮ ንጉሱ ጥላሁን፡ ኣብታ ሃገር ተወዲቦም ስራሕ ዝፈጥሩ ትካላት ኮኑ ኢንተርፕራይዛት፡ መንግስቲ እኹል ድጋፍ ከምዝገብረሎም ብምጥቃስ፡ ብማሕበራት ተወዲብካ ንምስራሕ ዘኽእል ባይታ የለን ንዝብል ሓበረታ ድማ ኣሉታ ሂብሉ።

መንግስቲ ካብቲ ተሊምዎ ዘሎ ምኽፋት ዕድል ስራሕ 60 % ዝሽፍኖ፡ ኣብ ናእሽቱ ትካላት ዝምርኮስ `ዩ ዝበለ ኣቶ ንጉሱ፡ ፈደራል መንግስቲ ዘከፋፍሎ ናይ መፍረዪ መሬት እንተዘይሃለወ`ኳ፡ ብሓዲሽ ንዝውደቡ ማሕበራት፡ 85 ሺሕ ሄክታር መሬት ንምቕራብ ብክልላዊ መንግስታት ከም ዝተወሰነ ኣፍሊጡ።

ንዝቐርቡ ቅሬታታት ንምፍታሕ መንግስቲ ብቐጻሊ ከምዝሰርሕ`ውን ኣፍሊጡ`ሎ- ከም ጸብጻብ ዮናታት ዘብደዎስ ካብ ሃዋሳ።

XS
SM
MD
LG