ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንበሪ ገዛ ፕረሲደንት ባይደን ተወሳኺ ምስጢራዊ መንግስታዊ ሰነዳት ምርካቡ ብፍላይ ንሪፓብሊካን ኣዘራራቢ ኮይኑ`ሎ


Trump and Biden
Trump and Biden

ኣብ መንበሪ ገዛ ፕረሲደንት ባይደን ተወሳኺ ምስጢራዊ መንግስታዊ ሰነዳት ምርካቡ ብፍላይ ንሪፓብሊካን ኣዘራራቢ ኮይኑ`ሎ።

ባይደን ኣብ ግዜ ፕረሲደንት ኦባማ ምኽትል ፕረሲደንት ኮይኑ ድሕሪ ምግልጋሉ፡ ኣብ ሓደ ንሱ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ኣብ ግዝኣት ደልዌር ዝርከብ ትካል መጽናዕቲ ፖሊሲ ማለት ቲንክ ታንክ እዩ እቲ ምስጢራዊ ሰነዳት ዝርከብ ዘሎ። ንዋይት ሃውስ ዘሕፍር ሰሙን ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ባዕሉ ባይደን ጠበቓታቱ ተወሳኺ ሰነዳት ከምዘረከቡ ትማሊ ሓሙስ ገሊጹ`ሎ።

“ ምስጢራዊ ሰነዳት ብቐሊሉ ንርእዮ ኣይኮነን፡ ስለዚ ዘለና ሰነዳት ንሚንስትሪ ፍትሒ ኣብ ምርካብ ምሉእ ምትሕብባር ንገብር ኣለና “ ኢሉ ባይደን ትማሊ ሓሙስ።

ፓብሊካን ግን በቲ ጉዳይ ብዛዕባ ደሞክራት ምስላቕ ግዜ ኣይወሰደሎምን፡- ናትኩም ገዲፍኩም-ንፕረሲደንት-ነበር ዶናልድ ትራምፕ ናብ ፍሎሪዳ ዝርከብ ገዝኡ ከይድኩም ምስጢራዊ ሰነዳት ክትፍትሹ ተራኢኹም ዝብል ሕጫጨ የስምዑ`ለዉ።

XS
SM
MD
LG