ሓይልታት ኣምሓራ ካብ ኣገዳሲት ከተማ ሽረን ከባቢኣን ከምዝወጹ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቶም ኣብ ጎኒ ምክልኻል ኮይኖም ኣንጻር ዕጡቓት ትግራይ ክዋግኡ ዝጸንሑ ዕጡቓት ኣምሓራ ካብ ክልል ትግራይ ዝወጹ ዘለዉ ብመሰረት`ቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም`ዩ።
ምኽትል ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ኣበባው ታደሰ ነቲ ምውጻእ ዕጡቓት ኣምሓራ ከምዝተዓዘቦ`ውን ተገሊጹ`ሎ።
ብዛዕባ`ዚ ካብ ሰበ-ስልጣን ትግራይ ዛጊት ዝተባህለ ነገር የለን። ብናጻ ወገን`ውን ምርግጋጽ ኣይተኻእለን። እንተተረጋጊጹ ግን ተወሳኺ ግስጋሰ ስምምዕ ሰላም ከምዝኸውን ይግለጽ ኣሎ።
ህወሓት ዝሓለፈ ረቡዕ ከቢድ ኣጽዋራቱ ንፈደራል መንግስቲ ከረክብ ጀሚሩ`ዩ። ኣንጻር ህወሓት ክዋግኡ ዝጸንሑ ወተሃደራት ኤርትራ`ውን ካብ ክልተ ከተማታት ምውጽኦም መሰኻኽር ሓቢሮም`ዮም። ካብ ምሉእ ትግራይ ይወጹ ብዛዕባ ምህላዎም ግን ንጹር ኣይኮነን- ይብል ጸብጻብ ማያ ሚስክር ካብ ኣዲስ ኣበባ።
ብኻልእ ወገን ትማሊ ኣብ ኣዲስ ምስ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ዝተራኸባ ሚንስተራት ውጻኢ ፈረንሳን ጀርመንን፡ ነቶም ኣብቲ ኩናት ግፍዕታት ዝፈጸሙ ንምቕጻዕ ሓደ ናይ መሰጋገሪ ናይ ፍትሒ መካንዝም ክቐውም ጸዊዐን ኣለዋ።
" ንሕና ጀርመናውያንን ፈረንሳውያንን ካብ ተመክሮና ከም እንፈልጦ፡ ዕርቂ ኣብ ሓንቲ ረፍዲ ኣይመጽእን`ዩ፡ ግን ንግዳያት ገበናት ፍትሒ ከይሃብካ ዕርቅን ነባሪ ሰላምን ዘይሕሰብ`ዩ ኢላ-ሚስንተር ወጻኢ ጀርመን ኣናሊና ባወርቦክ።
ናይ ፈረንሳ መዘንኣ ካተሪን ኮሎና ድማ፡ ፈረንሳ ነቲ ውዕል ሰላም ብሓጎስ ከምዝተቐበለቶ ድሕሪ ምግላጻ፡ ተጻብኦታት ደው ኢሉ፡ ረድኤት ናብቲ ክልል ይኣቱ`ሎ ዕጡቓት ዕጥቆም ይፈትሑ ኣለዉ- እዚ ድማ ጽቡቕ ግስጋሰ`ዩ- ክትቅጽልዎ ድማ ነተባባዓኩም ኢላ።
ኣብቲ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተዛረበ ሚንስተር ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ብወገኑ፡ ገበነኛታት ከይተቐጽዑ ከምዘይተርፉ ኣሰሚዑ`ሎ። ነዚ ንምግባር ድማ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ትካል ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን፡ መርመርቲ ገበናት ናብቲ ብኹናት ዝተሃስየ ከባብታት ክሰዱን ክምርምሩን ድማ ኢትዮጵያ ክትሓትት ከምዝጸንሐት ተዛሪቡ።