ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማንታ መጥቃዕቲ ማሊ 14 ኣባላት ሰራዊት'ታ ሃገር ይቐትል


Mali Attack
Mali Attack

(ዋሽንግተን) ኣብ ማእከላይ ማሊ ብእስልማዊ ናዕበኛታት ዝተቐበረ ቦምብ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ተተኲሱ 14 ወታደራትን ተቐቲሎም ካልኦት 11 ድማ ከምዝቖሰሉ ሰራዊት ማሊ ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ማሊ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውፅኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ንወታደራዊ መኪናታት ዒላማ ዝገበሩ ክልተ መጥቓዕትታት ቦምብ ብተኸታታሊ ተፈፂሙ እቲ ሓደጋ ወሪዱ ይብል።

መጥቃዕቲ ዝተፈፀሞ ማእከላይ ማሊ ኣብ ቀረባ ዓመታት ብእስላማዊ ዕጡቓት ብዝፍፀሙ መጥቓዕታት ህይውከት እናወሰኸ ይኸደሉ ዘሎ ከባቢ እዩ።

እቲ መግለፂ ወሲኹ ፍሉይ ኣየር ወለድ ማሊ ምስቶም "ኣሸበርቲ" ኢሉ ዝፀውዖም ገጢሙ ሬስኦም ይቐብሩ ዝነበሩ 14 ሓዊሱ ን31 ከምዝቐተለ ይሕብር።

ነቲ ናይ ሰሉስ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ወገን የለን።

ማሊ ካብ 2012 ኣ\ፈ ኣትሒዛ ምስ እስላማዊ ናዕበኛታት ክትቃልስ ፀኒሓ እያ።

XS
SM
MD
LG