ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት ጀርመንን ፈረንሳይን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ዑደት ይፍጽማ


PM Abiy Ahmed Meeting with FMs of Germany and France
PM Abiy Ahmed Meeting with FMs of Germany and France

(ዋሽንግተን) ሚንስትራት ወፃኢ ፈረንሳይን ጀርመንን ንኽልተ ዓመት ዝዘልቐ ዘስካሕክሕ ኵናት ኢትዮጵያ ከብቅዕ ንዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ንምሕጋዝ ሎሚ ሓሙስ ኣዲስ ኣበባ ኣትየን። ዑደት ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፈረንሳይ ካትሪን ኮሎናን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጀርመን ኣናለና ባርቦክን ዝካየድ ዘሎ ሓይልታት ትግራይ ቁልፊ ኣካል እቲ ክልተ ሕዳር 2022 ኣ\ፈ ዝተፈረመ ስምምዕ ዝኾነ ከበድቲ ኣፅዋራቶም ምርካብ ምጅማሮም ድሕሪ ምግልፃም ድሕሪ ሓደ ማዕልቲ እዩ።

ክልቲአን ምንስትራት ወፃኢ ኣብ ናይ ክልተ ማዕልታት ፃኒሕተን ምስ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድን ካልኦት ምንስትራትን ከምኡ እውን ምስ ሰበስልጣን ሕብረት ኣፍሪካን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክራኸባን እየን። ንማእኸላት መከፋፈሊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም እውን ክዕዘባ እየን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ሓመድ ኣብ ናይ ቲዊተር ገፆም ኣብዘስፈሩዎ ፅሑፍ ምስ ክልቲአን ምንስትራት ተራኺቦም ዓሚቝን ፍረ ዘለዎን ምይይጥ ምክያዶም ነፀብራቕ ኢትዮጵያ ምስ ፈረንሳይን ጀርመንን ዘለዋ ስጡም ርክባት እዩ ክብሉ ገሊፆም።

እተን ምንስትራት ስምምዕ ቶኽሲ ጠጠው ምባል ክኽበርን መስርሓት ናይ ስግግር ፍትሒ ክትከልን ሕብረት ኣውሮፓ ቅሩብ ምዃኑ ዘረጋግፅ መልእኽቲ ሒዘን ምምፅአን ዲፕልማቲክ ምንጪ ሓቢሩ ኣሎ።

ህወሓት ዕጥቒ ምፍትሑ ምጅማሩ እንተፈልጠ እውን ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ሕዚ እውን ኣብ ክፋላት ትግራይ ምህላዎምን ይቐትሉ፣ፆታዎ ዓመፅ ይፍፅሙን ይሰርቁን ኣለው ክብሉ ነብርቲ እቲ ከባቢን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ይኸሱ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ ምፍታሕ ዕጥቒ ምስ ምውፃእ ናይ ወይፃኢን ኣባል ሰራዊት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይኮኑን ሓይልታት ጎኒ ንጎኒ ይፍፀም።

XS
SM
MD
LG