ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓመታዊ ገምጋም ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን፤ “ሰፊሕ ሰብኣዊ ጥሕሰታት”


Human Rights Watch report page
Human Rights Watch report page

(ዋሽንግተን) ዓለምለኸ ተሓላቒ ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ናይ ዓመተ 2022 ኣብ ዘሕተሞ ዓመታዊ ገምጋም፡ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ በበይኖም ግጭታት ሰለማውያን ዜጋታት ተሰከምቲ ናይቲ ኣደራዕ ምዃኖም ጸብጺቡ። እቲ ተሓላቒ ትካል፡ ብሰንኪ ኲናት ንዝሰዓበ ሰፋሕቲ ጥሕሰታት ኢሉ ብፍሉይ ዝጠቐሰን ሃገራት ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ፡ ካሜሮን፡ ኢትዮጵያ፡ ሞዛምቢክ፡ ማሊ፡ በርኪናፋሶን ደቡብ ሱዳንን’የን።

ህዩማን ራይትስ ዎች ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ’ውን ዓመታዊ ገምጋግሙ ኣውጺኡ ኣሎ። እቲ ትካል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ሰንሰለታዊ ጎንጽታት ተኣሳሲሩ፣ ኣብ ኤርትራ ድማ ዝጸንሐ ሰፋሕቲ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ብዘይ ምምሕያሽ ዝቐጸለሉ’ዩ ክብል ኣስፊሩ።

ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ኤርትራ ኣብ ዓመተ-2022 እቲ ቅድሚ ሕጂ’ውን ዝርአ ዝነበረ ዕፈና ናጻ ፕረስ፡ ስእነት መሰል ዜጋታት፡ ዕፈና መሰል እምነት ከም ዝቐጸለን ዝዀነ ምምሕያሽ ከም ተራእዮን ኣስፊሩ። ነቲ ብዙሕ ኣዛራቢ ዛዕባ ዝዀነ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምዝመዛ ናጻ ጕልበትን ንምኽታም ተበግሶ ከም ዘይተወስደ ዘመልክተ ጸብጻብ ህዩማን ራይትስ ዎች፡ እኳ ደኣ ምስ ኲናት ትግራይ ተኣሳሲሩ ክሳብ 55 ዝዕድመኦም ኣባላት ዕቝር ሰራዊት ከም ዘኽተተ ኣመልኪቱ።

እቲ ተሓላቒ ትካል’ውን ወሲኹ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ሰፋሕቲ ግፍዕታት ይፍጽም ምህላዉ ኣመልኪቱ። እቲ ጸብጻብ ከም ዝጠቕሶ፡ ኤርትራ ኣባል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ደኣ ትዅን እምበር፡ ነቲ ውድብ ዝመጣጠን ምትሕብባርን ውሕስነት ሰብኣዊ መሰላትን ከም ዘይተርኢ ኣስፊሩ።

ህዩማን ራይትስ ዎች ብተመሳሳሊ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ ገምጋም’ውን እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ቀንዲ ጠንቂ ከበድቲ ሰብኣዊ ጥሕሰታት፡ ዓመጽ፡ ቅትለት፡ ክልከላ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምኽታሉ ኣመልኪቱ። እቲ ትካል ከም ዝጠቕሶ፡ እቲ ዕግርግ ናብ ክልልት ኦሮሚያን ቤን-ሻንጉልን’ውን ብምግፋሑ፡ ብድምሩ ንኣስታት 20 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ረዲኤት ምግባሩ ሓቢሩ። ነቲ ዝነበረ ጎንጽታት፡ ደርቂ’ውን ስለ ዝተሓወሶ ንኹነታት ከም ዘገደዶ ድማ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

“ንጋዜጠኛታት፡ በርጌሳውያን ማሕበራትን ነቐፍቲን ኢትዮጵያ ኣዝያ ኣሸጋሪት ሃገር ኰይና” ዝብለ ጸብጻብ ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ በበይኑ ወገናት ኢትዮጵያ ምሉእ ጭብጢ ዘለዎ ጥሕሰታት እናተፈጸመ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላትን ንፈጸምቲ በደል ናብ ሕጊ ምቕራብን ተሓታትነትን ከም ዘይተራእየ ጥቒሱ። እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ’ውን ኣብ በበይኑ ወገናት መንግስቲ ኣካል’ቲ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ነይሩ’ዩ።

ነዚ ሓድሽ ጸብጻብ ህዩማን ራይትስ ዎች ዝምልከት ግብረ-መልሲ ዛጊት ካብ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣይረኸብናን። ቅድሚ ሕጂ ግን ብሕልፊ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዝቐረበሉ ክስታት ደጋጊሙ ክነጽጎ ጸኒሑ’ዩ።

XS
SM
MD
LG