ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስፒልበርግ ብሉጽ ዳይረክተር 'ጎልደን ግሎበስ' ተሸይሙ


80th Annual Golden Globes Viewing and After Party powered by Billboard
80th Annual Golden Globes Viewing and After Party powered by Billboard

(ዋሽንግተን) ኣመሪካዊ ሰራሒ ፊልም ስቲቨን ስፒልበርግ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ስነ-ስርዓት ሽልማት ጎልደን ግሎብስ (Golden Globes) ሓደ ካብቶም ክብሪ ዝተወሃቦም ሰባት ነይሩ።

ስፒልበርግ በታ ብልፅቲ ናይ ፊልም ድራማ ተባሂላ ናይ ዝተፀውዐት ‘’The Fabelmans" ፊልም ብሉፅ ዳይረክተር ብዝብል ተሸሊሙ ኣሎ።

እቲ ወዲ 76 ዓመት ሰራሒ ፊልም ኣብ ጎልደን ግሎብስ ክሽለም እዚ ንሳልሳይ ግዜ እዩ።

ብዙሓት ሰራሕቲን ተዋሳእቲን ፊልምታት ከምኡ እውን ናይ ቴለቪዥናት ምርኢታትን ተዋስኦታትን ብዝተፈላለዩ ዓውዲ'ውን በበይኑ ሽልምታት ረኺቦም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG