ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣባላት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያውያን ክፍትሑ ኣምንስቲ ይጽውዕ


Ethiopian Human Rights Council (EHRCO) members
Ethiopian Human Rights Council (EHRCO) members

(ዋሽንግተን) ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ቤት ንብረቶም ንዝተሰጉ እናሰነዱ ከለዉ ዝተኣስሩ ተቓለስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብቕልጡፍን ብዘይ-ቅድመ ኩነትን ክፈትሕዎም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ።

ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝሰርሑ ዳንኤል ተስፋየ፡ ቡዛየሁ ወንድሙ፡ በረኸት ዳንኤል ከምኡ`ውን ናሆም ሑሴን ዝተባህሉ ኣርባዕተ መርመርቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ዝሓለፈ 5 ጥሪ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንደቡብ ኣብ ዝርከብ፡ `ኣለም ባንክ` ዝተባህለ ስፍራ ብኣስገዳድ ብዛዕባ ዝተሰጕ ሰባት መጽናዕቲ እናካየዱ ከለዉ`ዮም ብፖሊስ ተታሒዞም።

ፖሊስ፡ ነቲ ስራሕ ንምክያድ ዘድሊ ፍቓድ የብልኩምን ብዝብል`ዩ ኣሲሩዎም። እቶም ተሓለቕቲ ዝሓለፈ ጥሪ ሽዱሽተ ክሲ ዝተመስረተሎም ክኸውን ከሎ፡ ናይ ዋሕስ መሰል ተነፊግዎም ኣብ `ገላን ጉዳ` ዝተባህለ መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ይርከቡ`ለዉ።

ብመሰረት ሕጊ `ታ ሃገር፡ ብዘይ ፍቓድ ፖሊስ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምጽራይ ገበን ስለዘይኮነ፡ እዞም ተኣሲሮም ዘለዉ ሰባት ክፍትሑ ኣለዎም ይብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል።

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ከባቢ ሰብኣዊ ረድኤት ምቕራብ`ምበር፡ መርመራ ሰብኣዊ መሰላት ምግባር ከም ዘይፍቀድ ፖሊስ ከም ዝነገሮ ሓቢሩ`ሎ።

XS
SM
MD
LG