ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቦልሰናሮ ናይ ኣመሪካ ቪዛኦም ክስረዝ ፃውዒት ይቐርብ


Former Brazilian President Jair Bolsonaro in Florida
Former Brazilian President Jair Bolsonaro in Florida

(ዋሽንግተን) ምምሕዳር ባይደን ነቶም ደገፍቶም ኣብ ብራዚል ህውከት ቅሚ ምልዓሉ ናብ ፍሎሪዳ ዝመፁ ፕረዚደንት ብራዚል ነበር ጃየር ቦልሶናሮ ቪዝኦም ክስርዝ ፃውዒት ቀፂሉ ኣሎ።

ብዘይ ድልየቶም ብሓይሊ ብፍላይ ድማ ብምስጓግ ክምለሱ ንዝግበር ፃዕሪ ዓመታት ክወስድ ዝኽእል ሕጋዊ ፈተና ክገጥሞ ከምዝኽእል ግን ክኢላታት የጠንቅቑ።

ቦልሶናሮ ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ ብቓንዛ መዓንጣ ኣብ ኦርላንዶ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣትዮም ኣለዉ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከቢድ ብዘይብሃል ናይ መዓንጣ ምዕፃው ፀገም እዩ ኣጋጢሙዎም።

ደረጃ ኢሚግረሽን ቦልሶናሮ ንፁር ኣይኮነን። ብምንታይ ዓይነት ቪዛ ናብ ኣመሪካ ከም ዝኣተዉ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG