ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርካብ ከበድቲ ኣጽዋር ትግራይ ተጀሚሩ


TPLF handing over heavy artilleries; Source FDRE Facebook Page
TPLF handing over heavy artilleries; Source FDRE Facebook Page

(ዋሽንግተን) ብመሰረት ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሪሕነት ክልል ትግራን ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ከበድቲ ኣጽዋራት መስርሕ ምርኽካብ ከም ዝጀመሩ ወኪልና ካብ መቐለ ጸብጺቡ። እዚ ኣብ ኣጕላዕ ዝተባህለ ስፍራ ዝካየድ ዘሎ ስነ-ስርዓት ምርኽኻብ፡ ብተዓዛብነት ካብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝተመዘዘ ጕጅለ’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ወሃብ-ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ’ቲ ምዕባለ ኣመልኪቱ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ’ውን፡ “ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ንምትግባር ትግራይ ከበድቲ ኣጽዋራ ተረከብ ኣላ፡” ድሕሪ ምባል፡ “እቲ ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ዝተበጽሐ ስምምዕነት’ውን ምሉእ ብምሉእ ክትግበርን ናብ ካልእ መዳያት ክባጻሕን” ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

እቲ ዝተረከበ ኣጽዋር መዳፍዕ፡ ሮኬታት፡ ጸረ-ነፈርቲን ታንክታትን ከም ዘጠቓልል ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ኣመልኪቱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG