ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰነድ ግብሪ ትራምፕ ገለ ክፋሉ ንህዝቢ ወግዓዊ ክኸውን ድምጺ ተዋሂቡ


GOP 2016 Debate
GOP 2016 Debate

ሓደ ኮሚቴ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ካብ ኣታዊኦም ንመንግስቲ ዝኸፈልሉ ናይ ግብሪ ሰነድ ዝተወሰነ ክፋሉ ዕላዊ ክኸውን ትማሊ ሰሉስ ድምፂ ሂቦም። ንፕሬዝዳንትነት ከም ዝወደዳሩ ንዝኣወጁ ትራምፕ፡ ናብ ዘየድሊ ተወሳኺ ምርመራ ክመርሕ ዝኽእል እዩ።

እቲ ኮሚቴ፡ ትራምፕ ንፕሬዝዳንትነት ዝተወዳደርሉን ፕሬዝዳንት ዝነበርሉን ካብ 2015 ክሳብ 2021 ኣ/ፈ ዘሎ ፁሟቕ ናይ ግብሪ ሰነድ (tax returns) ክወፅእ ድምፂ ሂቡ ኣሎ።

The House Ways and Means ናይ ዝተብሃለ ኮሚቴ ኣቦ ወንበር ዴሞክራት ሪቻርድ ኒል ተዃሳሒ ነገራት ምስተቐነሱ እቶም ሰነዳት ኣብ ውሽጢ ማዕልታት ዕላዊ ክኾኑ እዮም ኢሎም። ሪፓብሊካዊያን ዝቕፅል ወርሒ ጥሪ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ስለ ዝቆፃፀሩዎ ዴሞክራት ስጉምቲ ክወስዱ ዘለዎም ግዜ ሓፂር እዩ።

XS
SM
MD
LG