ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማስክ ምሕጽንታ ወሃብቲ ርእይቶ ኣየኽበረን


Tesla unveils its Semi truck at live-streamed event
Tesla unveils its Semi truck at live-streamed event

(ዋሺንግተን) ኢላን ማስክ መተካእታ ክሳብ ዝረክብ ሓላፊ ትዊተር ኮይኑ ከም ዝቕጽል ኣፍሊጡ። ማስክ ነዚ ዘፍልጥ ዘሎ ሚልዮናት ተጠቀምቲ ትዊተር ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ካብ ሓላፍነት ትዊተር ከልግስ ድሕሪ ምሕታቶም`ዩ።

ቢልየነር ማስክ፡ ሽሕ`ኳ እቲ መእከቢ ርእይቶታት ባዕሉ ዝገበሮ እንተኾነ፡ ብውጽኢቱ ከም ዝምእዘዝ ኣፍሊጡ ኔሩ`ዩ። ወናኒ ኩባንያ ተስላ ዝዓይነተን ክቡራት መካይን ምዃኑ`ውን ዝፍለጥ ኢላን ማስክ፡ ንትዊተር`ውን ካብ ዝዕድጎ ንድሓር ብርክት ዝበሉ ፖሊሲታትን ለውጥታትን እንተገበረ`ኳ- ናብ ህዝቢ ዕላዊ ምስ ኮኑ ምስሓቡን ምስራዙን ድማ ሕቶታት ኣስዒብሉ`ዩ።

ንሱ ኣብ ትዊተር ዝያዳ ትኹረት ብምግባሩ ገለ ኣውፈርቲ ተስላ`ውን ክግለሉ ተራእዮም`ዮም። ንኩባንያ `ስፐይስ ኤክስ` ሮኬት ጠፈር`ውን ዝውንን ማስክ፡ ንትዊተር ዘመሓድር ሰብ ብዙሕ ስቓይ ክጻወር ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ ብምባል ንትዊተር ምምሕዳር ቀሊል ከም ዘይኮነ ክገልጽ ጸኒሑ`ሎ።

XS
SM
MD
LG