ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዞባ ጉራጌ ህጹጽ ናይ ሓደጋ መምርሒ የሕሊፉ


Federal Map Ethiopia
Federal Map Ethiopia

ኣብ ክልል ደቡብ፡ ዞባ ጉራጌ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ብኽልሉ ብዝምራሕ ናይ ፌደራልን ክልልን ፍሉይ ሓይሊ ብዝሓዘ ኮማንድ ፖስት ክምራሕ ምውሳኑ ናይቲ ክልል ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ኣፍሊጡ።

እቲ ኮምንድ ፖስት ዝተኣወጀ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጥረ ኩነታት ብስሩዕ ኣሰራርሓ ንምርግጋእ ስለዘይተኽኣለ እዩ ክብሉ ናይቲ ቢሮ ሓላፊ ኣቶ ኣለማየሁ ባውዲ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ኣቶ ኣለማየሁ ንመሰል ሕገ-መንግስታዊ ሕቶ ብምዝባዕ ናይ ጥፍኣት ምንቅስቓስ ዘሰጉሙ ዝበሉዎም ጉጅለታት ነቲ ናይቲ ከባቢ ሰላም ዘስግኡ ብምዃኖም፣ሕቱኦም ብሓይሊ ንክምለስ ህውከት ምፍጣሮም፣ስርዓት ኣልቦነትን ናይቲ ህዝቢ ሓድነትን ዘፍርሱ ኩነታት ስለዝተፈጥሩ እዮም እቲ ኣዋጂ ወፂኡ ኢሎም።

ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ነበርቲ ዞባ ጉራጌ ኣስታት ክልተ ምእቲ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ምውዓሎም ምፅብፃብና ይዝከር።ኣቶ ኣለማየሁ ግን ብገበን ዝተጠርተሩ ልዕሊ 70 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ምውዓሎም ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG