ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያ ነበር ሓሙሽተ ሚኒስትሪታት የካይድ ምንባሩ ተሓቢሩ

Two Royal Australian Air Force fighter jets, an F/A-18 Hornet (L) and an F/A-18F Super Hornet, fly over Port Philip Bay as part of the Australian International Airshow in Melbourne on March 2. (Reuters/Commonwealth of Australia)

(ዋሺንግተን) ቀዳማይ ሚንስተር ኣውስትራሊያ ነበር ስካት ሞሪሶን፡ ብምስጢር፡ ሓሙሽተ ሚኒስትሪታት እታ ሃገር የካይድ ምንባሩ ብፈጻሚ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ዝወጸ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ተግባር እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር “እምነት ዘጕድል” ክብል ገሊጹዎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሞሪሶን ብምስጢር ንሚኒስትሪታት ክፍሊ ገንዘብ (ትረጀሪ)፡ ውሽጢ ሃገር፡ ጥዕናን ፋይናንስን’ዩ ባዕሉ ንኸመሓድረን ሽመት ንነብሱ ሂቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ነቲ ዘጋጠመ ዘይንቡር ተግባር ለበዳ ኮቪድ ንምግታእ ኢሉ ዝገበሮ ምዃኑ ሓቢሩ። እቲ ቤት ፍርዲ ግን ምኽንያታዊ ኰይኑ ኣይረኸቦን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዝ ነቲ ብቕድሚኡ ዝነበረ በዓል-ስልጣን ዘጋጠመ ስሕተት “መስደመም” ክብል ገሊጹዎ ኣሎ። ወሲኹ ድማ እቶም ኣብቲ ጉዳይ ተሓባበርቲ ዝነበሩ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ብተግባራቶም ከም ዘጕሃዩዎ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG