ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ናብ ትግራይ ሓገዝ ንምብጻሕ ይሰርሕ፣ ዝሓለኖ ሸቶ ግን "ኣይበጻሕኩን" ይብል


Aid to Tigray
Aid to Tigray

(ዋሺንግተን) ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP)፡ ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ደቡብ-ኣፍሪቃ ናብ ትግራይ 2400 ቶን መግቢን ካልእ ቀረባት መድሃኒት ምብጻሑ ክገልጽ እንከሎ፡ እቲ ሓሊኑዎ ዝነበረ ዕላማ ግን ዛጊት ከም ዘይበጽሖ ኣመልኪቱ። እቲ ትካል ኣብ መርባብ ሓበሬታኡ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝዘርግሖ ገጋም፡ ኣብ ክልል ትግራይ ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት 2.3 ሚልዮን ህዝቢ ኰይኖም፡ ኣብ ገለ ወገናት ትግራይ ግን መሰረታዊ ሓገዝ’ውን ከብጽሕ ዘይምኽኣሉ ሓቢሩ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ናብ ክልል ትግራይ ብኣርባዕተ መስመራት ሓገዝ የእቱ ከም ዘሎ ክገልጽ እንከሎ፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን’ውን ሓገዝ ናይ ምብጻሕ ስራሕ የካይድ ከም ዘሎ ኣብቲ ናይ ጽሑፍ መግለጺኡ ጠቒሱ። ከም ጸብጻብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዛጊት ተባጺሑ ዘሎ ሓገዝ 29% ናይቲ ዝደለ መጠን’ዩ ክብል ኣቐሚጡ።

ብሰንኪ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሰለስቲኡ ክልላት 13.6 ሚልዮን ሓገዝ ከም ዘድልዮ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG