ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 40 ሚልዮን ህጻናት ጸረ-ንፍዮ ክታበት ኣይወሰዱን


Global Measles
Global Measles

(ዋሺንግተን) ብመሰረት ትማሊ ረቡዕ ዝወጸ ጸብጻብ ኣስታት 40 ሚልዮን ህጻናት ክታበት ኣንጻር ንፍዮ ኣይተቐበሉን ክብል ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ጸብጺቡ። እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ ለበዳ ኮቪድ-19 ነቲ ዝነበረ ተበጻሕነት ክታበት ብኣሉታ ጸልዩ ኣሎ።

ውድብ ጥዕባ ዓለምን ናይ ኣመሪካ ማእከል ምክልኻል ሕማማት (CDC)ን ኣብ ዘውጽኡዎ ናይ ሓባር መግለጺ፡ እዚ ኣጋጣሚ ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ምቍጽጻር ሕማም ንፍዮ ድሕሪት ዝመልስ’ዩ ክብሉ ገሊጾም።

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ከም ዝበልዎ ክታበት ኮቪድ ብዝለዓለ ብርኪ ማዕቢሉን ተዘርጊሑን ክንሱ ስሩዓት ፕሮግራማት መከላኸሊ ሕማማት ዝኾኑ ክታበታት ግን ኣዝዩ ከምዝተሃሰየን ብሰንኩ ከኣ ሚልዮናት ኣብ ሓደጋ ከም ዘለዉ ብምግላጽ ነዞም ፐሮግራማት ናብ መሰመሮም ምምላስ ወሳኒ ዩ ኢሎም'ለዉ። ድሕሪ'ዚ ጸብጻብ ዘሎ መልእኽቲ ሓደ ቆልዓ ክትከላኸሎ ብዝከኣል ሕማም ኣብ ሓደጋ'ዩ ዘሎ ዝብል'ዩ ኢሎም'ለዉ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ።

ብመሰረቲ'ቲ ሓድሽ ጸብጻብ 25- ሚልዮን ቆልዑ ዓለም ፈለማይ ዙር 14.7 ሚልዮን ከኣ ካልኣይ ዙር ክታበት ንፍዮ ኣይተኸትቡን።

XS
SM
MD
LG