ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦባሳንጆ መቐለ በጺሖም፣ ምስ ዶክተር ደብረጽዮን ተራኺቦም


Pres. Obasanjo Visits Mekelle ኦብሳንጆ መቐለ ኣብ ዝበጽሑሉ (ምንጪ ትግራይ ቲቪ)
Pres. Obasanjo Visits Mekelle ኦብሳንጆ መቐለ ኣብ ዝበጽሑሉ (ምንጪ ትግራይ ቲቪ)

(ዋሺንግተን) ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኲናት ኢትዮጵያን ኣቦ-መንበር ዝርርብ ሰላምን ዝዀኑ ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዝካይደ ዘሎ ዝርርባት ሎሚ ሓሙስ መቐለ ምብጻሖም ወግዓዊት ቴለቪዥን እቲ ክልል ዝዀነ ቴለቪዥን ትግራይ ኣመልኪታ። ኣብ ማዕርፎ-ነፍርቲ ኣሉላ ኣባ-ነጋ ዝወረዱ ኦባሳንጆ፡ ምስ ፕረዚደንት እቲ ክልል ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተራኺቦም ምዝርራቦም እታ ኣገልግሎት ቴለቪዥን ኣፍሊጣ። ዝርዝር ናይቲ ዝተዛራረቡሉ ጉዳያትን ዛጊት ብዛዕባ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለታትን ዝምልከት ግን ኣይተሓበረን።

ኣብ ቀጻሊ ተወሳኺ ሓበሬታ ከነስዕብ ኢና።

XS
SM
MD
LG