ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ሶማል ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ከቢድ ክሳራታት ኣውሪዱ


Somalia Ethiopia Al-Shabab's Spread
Somalia Ethiopia Al-Shabab's Spread

ሰራዊት መንግስቲ ሶማሊያ 49 ዕጡቓት ጕጅለ ኣል-ሸባብ ምቕታሉ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ። እቲ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ዝኸደ ኲናት ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ታሕተዋይ ሸበሌ ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ብሕልፊ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እቲ ጕጅለ ህይወት 120 ሰባት ዝወሰደ ተደራራቢ መጥቃዕታት ኣብ ርእሰ-ከተማ መቓዲሾ ክፍጽም ጸኒሑ’ዩ።

ኣብዚ ዳሕረዋይ ዝኸደ ሃድን ንዕጡቓት ኣልሸባብ መንግስቲ ብናይ ኣከባቢ ሚሊሻን ሰራዊት ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ተደራቢ ሓገዝ ይረክብ ነይሩ’ዩ።

ምስ ጕጅለ ኣል-ቓዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ኣልሸባብ ብዛዕባ’ቲ ዳሕረዋይ ዝወረዶ መጥቃዕታት ምላሽ ዛጊት ኣይሃበን።

ሰራዊት ኣመሪካ ብኣየር ኣብ ዝግበር ደብዳብ ንሰራዊት ሶማሊያ ድጋፍ ክህቡ ምጽናሖም ይፍለጥ። ኣብዚ ሰሉስ ዝተኻየደ ስርሒት ግን ኢድ ከም ዘይነበሮም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣመልኪቱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG