ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ትካላት ረዲኤት ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሓገዝ የባጽሑ


Aid to Tigray
Aid to Tigray

(ዋሺንግተን) ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብቐንዱ ድማ ኣብ ከባቢ ሽረ ዝርከቡ ተመዛበልቲ መሰረታዊ ሰብኣዊ ሓገዛት የባጽሕ ከም ዘሎ ብወግዓዊ መራኸቢታቱ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ከም ዘመልከቶ፡ ኣብ ከባቢ ሽረ ንዝርከቡ፡ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ ሒዙ ዘሎ ሽዱሽተ መዓስከራት ሓገዝ ኣባጺሑ ኣሎ።

ብተመሳሳሊ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP) ኣብ ክልል ዓፋር ብዂናትን ደርቂን ንዝተሃስዩ 650-ሽሕ ዜጋታት ሓገዝ የብጻሕ ምህላዉ ኣፍሊጡ። ካብዞም ተጠቀምቲ ሓገዝ ዝዀኑ ወገናት፡ እቶም 110- ሽሕ ዜጋታት ኣብ መደብ ሓገዝ ዝተመጣጠነ መግቢ ክኣትዉ እንከለዉ፡ 96-ሽሕ ዝበጽሑ ተመሃሮ ድማ ብኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ዝሳለጥ ናይ ምግብና መደብ ተጠቀምቲ’ዮም። ኣተሓባበርቲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጨንፈር ኢትዮጵያ ከም ዝገልጹዎ፡ ነቲ ዘሎ መጠን ትጽቢት ንምብጻሕ ተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዝ የድሊ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG