ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ሱዳን፤ ብመጥቃዕቲ ድብያ ሰለስተ ሞይቶም 22 ቆሲሎም


Climate South Sudan Canal
Climate South Sudan Canal

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዋና ጽርግያ ብዝጸንሖም ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 3ተ ተጓዓዝቲ ተቐቲሎም። በቲ ኣብ ልዕሊ ገያሾ ሒዛ ዝነበረት ኣውቶቡስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ 22 ካልኦት ከም ዝቖሰሉ`ውን ፖሊስ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣብቲ ካብ ጁባ 55 ኪ. ሜ ርሒቑ ናብ ኒሙለ ኣብ ዝወስድ ዓቢይ ጽርግያ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ መንነቶም ዛጊት ኣይተፈልጠን- ግን ወተሃደራዊ ክዳን ዝገበሩን ካልሽን ዝዓጠቑን ምንባሮም ተጠቒሱ`ሎ። ኣብቲ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ 2ተ ኡጋንዳውያን ዜጋታት`ውን ከምዝቖሰሉ ወሃቢ-ቓል ፖሊስ ደቡብ ሱዳን ሓቢሩ`ሎ።

እቲ ካብ ጁባ ናብ ኒሙለ ዝወስድ ጽርግያ መጥቃዕቲ ክፍጸሞ መጀመርትኡ ኣይኮኑን። ዝሓለፈ ነሓሰ`ውን ኣብ ተመሳሳሊ ጽርግያ ብዝተፈጸመ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ፡ 7ተ ሰባት ተቐቲሎም`ዮም።

XS
SM
MD
LG