ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ባንግላደሽ ብሽበራ ዝተፈርዱ እሱራት ሃዲሞም


Bangladesh Economy
Bangladesh Economy

ንሓደ ኣመሪካዊ ጸሓፊ ብምቕታል ኣብ ባንግላደሽ ተፈሪዶም ዝነበሩ ክልተ እስላማዊ ኣኽረርቲ፡ ዝሓለፈ ሰንበት ካብ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሞም ከምዘምለጡ ፖሊስ ዳካ ኣፍሊጡ። እቲ በቶም ኣኽረርቲ ዝተቐተለ ኣመሪካዊ ኣብ እስላማዊ ጥሩፍነት ተሪር ነቔፈታ ጸውጽእ ዝነበረ`ዩ። እቶም ተፈሪዶም ዝነበሩ ክልተ ሰባት ክሃድሙ ዝኽኣሉ፡ ካብ ቤትፍርዲ ክወጹ ኸለዉ፡ ካልኦት ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ኣለዎም ዝብሃሉ ኣባላት ናብ ፖሊስ መርዛም ንጥረ ነገር ናብ ዓይኖም ምስ ነፈዩሎም`ዩ። ሽዕኡ እቶም መርዛም ነገር ዝነፈዩ ሰባት ብሞተር ሳይክል ጌሮም ነቶም ገበነኛታት ከህድምዎም ክኢሎም።

ፖሊስ ባንግላዴሽ ነቶም ዘምለጡ ግበነኛታት ንምሓዝ ኣብ ወፍሪ ምህዳን ወፊሩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG