ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቪርጂንያ፤ ብመጥቃዕቲ ብረት 6 ሰባት ተቐቲሎም


University of Virginia Shooting (file)
University of Virginia Shooting (file)

(ዋሺንግተን)-ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ቨርጂንያ ኣብ ዝርከብ ዎልማርት ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓቢይ ድኳን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 6ተ ሰባት ተቐቲሎም። ፖሊስ እቲ ተኳሳይ`ውን ከምዝተቐተለ ሓቢሩ- ነቲ ኩነታት ተኹሲ የጻርዮ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ። ካብ ርእሰ-ከተማ ቨርጂንያ ዝኾነት ሪችመንድ ብመኪና ናይ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ንደቡብ ኣብ ትርከብ ከተማ ቸሲፒ ከምዝተፈጸመ ዝገለጸ ፖሊስ፡ ሰዓት 10 ናይ ምሸት ኣቢሉ ኣብቲ ቦታ ከምዝበጽሐን ብርክት ዝበሉ ሰባት ሞይቶም ከምዝጸንሕዎን ኣፍሊጡ`ሎ።

ሰበ-ስልጣን እቲ ተኳሳይ ብኸመይ ንባዕሉ ከም ዝተቐተለ ዛጊት ክፈልጡ ኣይክኣሉን። እዚ ናይ ቨርጂንያ ተዅሲ ዝስማዕ ዘሎ፡ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ኣብ ሓደ ተመሳሳሊ ጾታ ዝዘናግዕሉ ክለብ`ውን ተኹሲ ተኸፊቱ 5ተ ተቐቲሎም 18 ድሕሪ ምቑሳሎም ድሕሪ መዓልታት`ዩ።

XS
SM
MD
LG