ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሊንከን ንቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ይምሕጸን


Blinken and Abiy collage
Blinken and Abiy collage

(ዋሺንግተን)- ብመሰረት ካብ ቤት ጽሕፈት ወሃብ-ቃል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴለፎን ርክብ፡ ድሮ ተወሲዶም ዘለዉ ስጕምታት ድሕሪ ምምጓስ ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱን መሰረታዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ክምለስን ኣዘኻኺሩ። ብሊንከን ኣብ ዘረባኡ ስምምዕ ደቡብ-ኣፍሪቃ ምሉእ ምሉእ ንኽትግበር ብምጽዋዕ፡ ምውጻእ ናይ ደገ ሓይልታት ካብ ትግራይን ምፍታሕ ዕጥቂ ዕጡቓት ትግራይን’ውን ቀዳምነት ክወሃቦ ተማሕጺኑ።

XS
SM
MD
LG