ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ሃገራዊ ኮሚቴ ጸረ-ብልሽውና ኣቑማ


ከተማ ኣዲስ ኣበባ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ(ፋይል)
ከተማ ኣዲስ ኣበባ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ(ፋይል)

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ እናተለምደ መጽዩ ዝበሎ ተግባራት ብልሽውና ንምንካይ ሃገራዊ ኮሚቴ ጸረ-ብልሽውና ምምስራቱ ዕላዊ ጌሩ።

ቅድሚ ትማሊ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መብርሂ ዝሃበ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብልሽውና ኣብ ኢትዮጵያ ብዘተሓሳስብ ደረጃ ምስፍሑን ንዕኡ ንምክልኻል መንግስቱ ሓደ ሃገራዊ ኮሚቴ ጸረ-ብልሽውና ኣብ ሓጺር መዓልታት ከምዘቝምን ኣፍሊጡ ኔሩ`ዩ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ሎሚ ኣብ ማሕበራዊ ገጻቱ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ብልሽውና ኣብዚ እዋን`ዚ ስግኣት ድሕነት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት፡ኣተሓሕዛ መሬት፡ኣብ መዳይ ፋይናንስ፡ ኣብ መስርሕ ዕድግን መሸጣን ኣብ ባይቶታት ፍትሒ፡ ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስቲ ከምኡ`ውን ትካላት ልምዓት ዝኣመሰሉ ብዝርኣይ ዘሎ ብልሽውና ህዝቢ የማርር ከምዘሎ ብዝርዝር ኣብሪሁ`ሎ።

ብዛዕባ`ዚ ርእይትኦም ካብ መንጎ ዝተሓተቱ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ማሕበር ቁጠባ ኢትዮጵያ ፕሮፈሰር መንግስቱ ከተማ ብወገኖም፡ ነቲ ጸገም ተረዲእካ ኮሚቴ ምምስራቱ ዘድንቑ እንተኾኑ`ኳ፡ እቲ ሱር ዝሰደደ ጸገም ክፍታሕ`ዩ ኢሎም ከምዘይኣምኑ ገሊጾም ኣለዉ።

ሓላፊት ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ሰልፍታት ፖለቲካ ዶ/ር ራሄል ባፌ`ውን፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጥን ተሓታታይነትን እንተዘይሰፊኑ፡ እቲ ዝተመስረተ ኮሚቴ ጸረ-ብልሽውና ዕዉት ክኸውን ከምዘይክእል`ያ ትገልጽ።

ሎሚ ዕላዊ ዝኾነ ኮሚቴ ጸረ-ብልሽውና ኢትዮጵያ፡ ዳይሬክተር ሃገራዊ ድሕነት ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ፡ ሚንስተር ፍትሒ ዶ/ር ጌደዎን ጢሞትዮዎስ ዝርከብዎ ሸውዓተ ኣባላት ዝሓቖፈ`ዩ።

XS
SM
MD
LG