ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤተ-መዘከር ህልቂት ናዚ መጠንቅቕታ የውጽእ፣ ኤምባሲታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ይነጽጉ


People stand in line to receive food donations,
People stand in line to receive food donations,

(ዋሺንግተን ዲሲ) ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝመደበሩ ንህልቂት ስርዓት ናዚ ዝስንድ ቤተ መዝከር፡ ብ25 ጥቅምቲ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግፍዒ ንጃማልዊ ህልቂት ከየምርሕ ዘስግእን ምልክታት ዝህብን’ዩ ክብል ድሕሪ ምጥቃቑ፡ ንኢትዮጵያ ንተኽእሎታት ጃምላዊ ህልቂት ኣብ ቅድሚት ትስራዕ’ያ ክብል ገሊጹ።

እቲ ቤተ መዘከር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቶም ዝርኣዩ ዘለዉ ናይ ጃምላዊ ህልቂት ቅድመ-መጠንቀቕታታ ከም ናይ ጽልኢ ዘረባ፡ ጃማላዊ ማእሰርቲ፡ ኣጥሚኻ ምቕጻዕን ካልእ ተመሳሰልቲ ተርእዮታትን’ዮም።

እቲ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝምወል ቤተ መዘክር፡ ነቲ ዝርአ ዘሎ ቅድመ-መጠንቀቕታ ማሕበረሰብ ዓለም ዘድሊ ምድላዋትን መጠንቀቕታን ክገብር ኣዘኻኺሩ።

እዚ እናዀነ ግን መንግስታት ኢትዮጵያን ነቲ ዝወጸ መግለጺ ኣትሪሮም ኰኒኖሞ ኣለዉ። መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመገዲ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከቡ ኤምባሲታቶም ኣቢሎም ትማሊ 27 ጥቅምቲ ናይ ጽሑፍ ምላሽ ሂቦም ኣለዉ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ቤተ መዘከር ብህወሓት ንዝደጋገም ዘረባ፡ ብዘይ ዝዀነ መረጋገጺ ጭቡጥ መረዳእታ ከም ቅኑዕ ሓበሬታ ወሲዱ ምቅላሑን ዘሕዝን’ዩ ክብል ገሊጹ። ጀማሪ እቲ ግጭትን ኲናትን ህወሓት’ዩ ዝበለ መግለጺ ኤምባሲ ኤርትራ “ዘይመጣጠን ምውድዳር ምስ ህልቂት ናዚ” ብምግባሩ ከም ዘዝሕዝኖ ድሕሪ ምግላጽ፡ ነቲ ዝወጸ መግለጺ ክስሕቦ ጸዊዑ።

ብተመሳሳሊ’ውን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ እቲ ቤተ መዘክር ንዘይመጠጠን ዘየዛመድን ኣጋጣሚታት ከዋስብ ምፍታኑ ኣዝዩ ኣሕዛኒ’ዩ ድሕሪ ምባል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎ መትከል ኣቐሚጡ። መግለጺ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዋሽግንተን ወሲኹ፡ እቲ መገለጺ ን”ድምጺን ዘረባን ህወሓት የቃልሕ ኣሎ” ክብል ከሲሱ።

እቲ መግለጺ ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ቤተ መዘከር ከምዚ ዝመስል መግለጺ ኣብ ዘውጽኣሉ ጥንቁቕ መጽናዕቲ ክገብር ጸዊዑ።

XS
SM
MD
LG