መራሕቲ ዓለም ብዛዕባ`ታ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰሙን መዝነታ ዘረከበት ቀዳመይቲ ሚንስተር ብሪጣንያ ርእይትኦም ይህቡ`ለዉ። ሊዝ ትራስ ኣብ ፖሊሲታታን ፋይናንሳዊ ዕዳጋታትን ብዘጋጠማ ሓጎጽጎጽ ኣብ ስልጣን፡ ሽዱሽተ ሰሙን ጥራሕ ድሕሪ ምጽናሕ ትማሊ ወሪዳ`ላ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ናብ ነፋሪቱ እናደየበ፡ ብዛዕባ ምርካብ ስልጣን ቀዳመይቲ ሚንስተር ብሪጣንያ እንታይ`ዩ ርእይቶኻ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ናታ ውሳነ`ዩ ግን ኣብ ጉዳይ ሩስያን ዩክሬንን ንፍዕቲ መሻርኽቲ`ያ ኔራ፡ እቲ ካልእ ጸገም ግን እንግሊዛውያን ሽግሮም ባዕሎም ክፈትሕዎ`ዮም ክብል መሊሱ።
ኣብ ብርስልስ ዝተዛረበት ፕረዚደንት ፓርላማ ኤውሮጳ ሮበርታ መሶላ ብወገና፡ ዘቤታዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ቀልጢፎም ክፍትሑ ተስፋ እገብር ብክትብል ርእይቶ ሂባ።
"ምሕዝነት ብሪጣንያን ሕብረት ኤውሮጳን ቀዳምነትና ኮይኑ ክቕጽል`ዩ። ኣብ ቁጠባ ዘሎ ምትእስሳርና በቲ ዘለዎ ክቕጽል ተስፋ ንገብር፡ ዘቤታዊ ጸገማት ድማ ቀልጢፉ ክፍታሕ ንረብሓ ኩልና`ዩ።" ሮበርታ መሶላ ወሲኻ ኣብ ዕዳጋታት ዘሎ ተኣፋፍነት ግን ኩልና ትምህርቲ ክንወስደሉ ዝግብኣና ጉዳይ`ዩ ክትብል`ውን ኣጠንቂቓ።
ኣብ ለንደን ብዛዕባ ምውራድ ስልጣን ቀዳመይቲ ሚንስተሮም ዝተሓዋወሰ ርእይቶታት`ዩ ዘሎ። ወዲ 67 ዓመት ደቪድ ብሩቶን ፡ ነዛ ሃገር ጽቡቕ ኣይኮነን፡ ዝቕጽል መራሒ መን ከም ዝከውን`ውን ዝርኣየካ ነገር የለን፡ ዓቃባዊ ፓርቲ ኣብ ዓቢይ ጸገም ኣትዩ`ሎ፡ ቀልጢፎም ክፈትሕዎ ተስፋ እገብር ይብል።
ካልኦት ወሃብቲ ርእይቶ`ውን ብዛዕባ ሃንደበታዊ ውሳነ ምውራድ ስልጣን ቀዳመይቲ ሚንስተሮም ዝተሻቐሉ ይመስሉ። ኩሉ ነገር ኣብ ኣየር`ዩ ዘሎ። እንታይ ከም ዝኸውን ኣይንፈልጥን ኢና፡ ሰባት ብኸመይ ነዳድን መግብን ከም ዝኸፍሉ`ውን ክጭነቑ ጀሚሮም ኣለዉ ይብሉ።
ሊዝ ትራስ ነቶም ዘይተሰማምዑ ወገናት ከወሃህድ ዝኽእል መራሒ ክሳብ ዝርከብ ዝተኸፋፈለ ፓርቲ ገዲፋ`ያ ትኸይድ ዘላ:ክትክኡ ካብ ዝግመቱ ሓደ ኣብቲ ዝሓለፈ ምርጫ ብሊዝ ትሩስ ዝተሳዕረ ሚንስተር ገንዘብ ብሪጣንያ ዝነበረ ሪሺ ሱናክ `ዩ።
ሽሕ`ኳ ሃገራዊ ምርጫ ክሳብ 2024 ክካየድ ግድን እንተዘይኮነ፡ እቲ መንግስቲ ደሞክራሲያ ሕጋውነት ኣጥፊኡ`ዩ ብዝብል ተቓወምቲ ሰልፍታት ግን ኣቐዲሙ ምርጫ ክግበር ይጠልቡ`ለዉ፡።ሊዝ ትራስ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ጥራሕ ስልጣና ዝገደፈት ሳልሳይቲ ዓቃባዊት ቀዳመይቲ ሚንስተር እያ።