ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኢትዮጵያ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝምራሕ መስርሕ ሰላም ቅርብቲ እያ’’ ም/ቀ/ሚ ደመቀ መኮነን


Demeke Mokennen
Demeke Mokennen

'ኢትዮጵያ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝምራሕ መስርሕ ሰላም ቅርብቲ እያ’’ ኢሎም ምኽት ቀዳማይ ምንስቴርን ወፃኢ ምንስቴርን ኣቶ ደመቀ መኮነን።

ንሶም ነዚ ዝገለፁ ምስ ኣብ ኣገልግሎት ወፃኢ ኣውሮፓ ዳይረክተር ጉዳይ ኣፍሪካ ሪታ ላራንጂንሃ ትማሊ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ኣብ ዝተዘራረብሉ እዋን ምዃኑ ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ሰበስልጣን ትግራይ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝምራሕ መስርሕ ሰላም ከምዝቕበሉ ምግላፆም ብዝምልከት ኣቶ ደመቀ ዝሃቡዎ ምላሽ ኣይተፈለጠን።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ሕብረት ኣውሮፓ ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ማዕልታት ኣብ መቐለ ዝፈሞም ናይ ድሮን መጥቓዕቲ ሰበስልጣን ትግራይ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝምራሕ መስርሕ ሰላም ከምዝቕበል ምፍላጢ ስዒቡ ‘’ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ክሰፍን ዘሎ ተስፋ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ’’ኢሉ ይብል ፀብፃብ ኬኔዲ ኣባተ ካብ ኣዲስ ኣበባ።

XS
SM
MD
LG