ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጠንቂን ተርእዮታትን ፍንጣጣ ህበይ (ማንኪ-ፖክስ)


Monkeypox Africa
Monkeypox Africa

ኣብ ኣመሪካ፡ ብምኽንያት ፍንጣጣ ህበይ ካልኣይ ሰብ ምማቱ ሓካይም መዝጊቦም። ኪንዮ እቲ ዝተራእየ ሞት ክልተ ዜጋታት ግን ሓካይም ንተርእዮን ሳዕቤናትን እዚ ሕማም ኣብ ምጽናዕ’ዮም ዝርከቡ። ኣብ ክልተ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ብዝገብሩዎ መጽናዕቲ ምሕባጥ ኣእምሮን ምግታር ጭዋዳታትን’ዩ ከም ዝርአ ድሮ መዝጊቦም ኣለዉ።

ኣብ መላእ ዓለም ዛጊት 22-ሽሕ ሰባት በዚ ሕማም ምትሓዞም መዛግብቲ ይሕብሩ። እዚ ተርእዮ’ዚ እዚ ቫይረስ ብወግዒ ካብ ዝፍለጥ ወርሒ ግንቦት ምዃኑ’ዩ። እዚ ለብዒ ግን ካብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ኣትሒዙ ኣብ ምንቍልቋል’ዩ ዝርከብ።

እዚ ዳሕራይ ኣብ ሎስ-ኣንጀለስ ዘጋጠመ ሞት፡ ግዳይ ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ኣዝዩ ተዳኺሙ ምንባሩ ይግለጽ። ሓካይም እቲ ዝሞተሉ ሆስፒታል ግን ኪንዮኡ ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ዝርዝር ኣይሃቡን።

ከም ምኽሪ ግን በቲ ሕማም ንዝተጠርጡ ዜጋታት ቀልጢፎም ናብ ሕክምና ክመጹን እኹል ሓገዝ ኣብ ግዜኡ ምስ ዝረኽቡ ድማ ክፍወስ ከም ዝኽእል ሓካይም እቲ ሆስፒታል ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ ኣመልኪቶም።

ናይ ፈለማ ኣብ ኣመሪካ በዚ ቫይረስ ዝሞተ ሰብ ኣብ ክፍለ-ሃገር ቴክሳስ ብ30 ነሓሰ’ዩ። ዓቕሚ ምክልኻል እቲ ዝሞተ ሰብ ኣዝዩ ተጎዲኡ ብምንባሩ፡ ኣብቲ ሞት ቫይረስ ፍንጣጣ ህበይ ዝተጻወቶ ኣሉታዊ ተራ ንምፍልጥ ኣጸጋሚ’ዩ ነይሩ።

እዚ ቫይረስ ዛጊት ኣብ ሕደ-ጾታ፡ ጾታዊ ርክብ ንዝፍጽሙ ዜጋታት’ዩ ዝያዳ ዘጥቅዕ ዘሎ። እዚ ዝመስል ቫይረስ ብልሙድ ብቀጥታዊ ርክብ፡ ብምስትንፋስ ዝሰጋገር ነጥሪን ገለ እዋን ድማ ሓደ ኣንሶላ’ውን ብምጥቃም ኢዩ ዝመሓላለፍ።

ኣብዚ ናይ ሕጂ ለብዒ ግን ስጋዊ ርክብ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ምምሕልላፍ እዚ ቫይረስ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። ድሕሪኡ ድማ ናይ ሓንጎልን ዕትብቲ ሕቖን መሕበጥትቲን የርኢ።

ማእከል ምልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣመሪካ በዚ ቫይረስ ንዝተታሕዙ ክልተ ዜጋታት ኣመልኪቶም ኣፈናዊ መጽናዕቲ ጌሮም፣ ንማሕተም ኣብቂዖም ኣለዉ። እዞም ክልተ ኣብ ሰላሳታት ዝርከቡ መንእሰያት ክታበት እቲ ቫይረስ ዘይወሰዱ ኢዮም። ኣብ ክልተኦም ነድሪ ሓንጎልን መትንታት ዓንዲ-ሕቖን ተዓዚቦም።

ሓደ ካብቶም ደቂቕ ክትትል ዝተገብረሎም ግዳያት ኣብ ኮሎራዶ ዝቕመጥ፡ ኣብ ስጋዊ ዝምድና ሕደ-ጾታ ዝነጥፍ መንእሰይ’ዩ። በቲ ቫይረስ ድሕሪ ምልካፉ ረስኒ፡ ቀጻሊ ሳሓ ገጽ፡ ምንፋሕን ሕበጥን ፍረነብሲ ተርእዩዎ።

ኣብ ርእሲኡ እቲ ሕሙም፡ ናብ ድንዛዘ ዝኸደ ምድኻም ኣካላትን ስእነት ግብረ-መልሲን ኣርእዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ ንምሻን’ውን ኣመና ተጸጊሙን ብቐጻሊ ቃንዛ ተሃስዩን። ሓደ ካብቲ ዝተራእየ ፍሉይ ክስተት ድማ እቲ ዜጋ ብቐጻሊ፡ ብርቱዕ ቃንዛ ዘለዎ ምውጣር ብልዕቲ ይሳቐ ምንባሩ’ዩ።

እቲ ሕሙም ብኣፍ ዝወሰድ መድሃኒት ክወሃቦ ምስ ጀመረ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ምምሕያሽ ምርኣዩ ሓካይም የመልክቱ።

እቲ ካልኣይ ደቂቕ ክትትል ዝተገብረሉ፡ በዚ ቫይረስ ዝተለኽፈ ዜጋ ነባሪ ዋሺንግተን’ዩ። ንሱ’ውን ኣብ ዕድመ ሰላሳታት ዝርከብ፡ ብተመሳሳሊ ኣዘውታሪ ሕደ-ጾታዊ ርክብ’ዩ። ንሱ’ውን ቀጻሊ ሰሓ፡ ናይ ጭዋዳታት ምጭብባጥ፡ ምድኻም ጸላም-ከብዲን ኣእጋርን ከም ዝተራእዮ መዛግብቲ ሕክምና ይጠቕሱ።

ንሱ’ውን ድሕሪ ዝተዋህቦ መድሃኒት መጠናዊ ምምሕያሽ ደኣ ይግበር እምበር፡ ገና ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ክንክን’ዩ ዘሎ። ካብቲ ፈለማ ዝነበሮ ደረጃ ግን ተመሓዪሹስ ክዛረብ’ውን ክኢሉ ኣሎ።

ነቲ መጽናዕቲ ዘካይዱ ዘለዉ ተመራመርቲ ኣብ መንጎ ክልተ በዚ ቫይረስ ዝተልኽፉ ግዳያት ዘሎ ተመሳሳሊ ተርእዮ ኣስተውዒሎም ኣለዉ። ግና ሕጂ’ውን ሳዕቤናትን ምልክታትን ክልተ ሕሙማን ፍልልይ ተራእዩዎ ኣሎ። እቲ ቫይረስ ኣብ መትንታት ሓንጎል ኣሉታዊ ተራ ከም ዘለዎ ድሮ ተገንዚቦም ኣለዉ። እቲ ሳዕቤን ነባሪ ስንብራት ዝገድፍ ድዩ ወይስ ግዜያዊ ግን ብሕጂ ምስ ግዜ ዝርአ’ዩ። እቲ ካልእ ንምርምር ግዜ ዝግደፍ ነጥቢ ድማ ኣብ ካልእ ኣካላት ዝገድፎ ናይ ምድኻም ዓቕሚን ተርእዮን’ዩ።

Recommended

XS
SM
MD
LG