ሎሚ ረቡዕ 4 መስከረም 2015 (14 መስከረም 2022) ኣብ መቐለ ብዝተኻየደ ደብዳብ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) 10 ዜጋታት ክሞቱ እንከለዉ ተወሳኺ 18 ምቝሳሎም ንምንጭታት ሕክምናን ብምውካስን ኣብቲ ቦታ ዝተረኸበን ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ጸብጺቡ።
እቲ ክልተ ደብዳብ ድሮናት ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ዝወረደ ኰይኑ፡ ፈለማ ብኣቆጻጸራ ሰዓት ኢትዮጵያ 1፡40 ኣብ ዓዲ ሓቂ ዳግም ኣምሳል ኣብ መንበሪ ሲቪላውያን ዜጋታት ብምውራድ ንዋና ገዛን ተሓጋጋዚታን ሃሪሙ። ድሕሪ ሰዓት ኣቢሉ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ዝወረደ ድሮን ድማ ናብቲ ቦታ ንምሕጋዝ ህሩማት ዝመጽኡ ጎረባብቲ፡ ሰብ-ሞያ ሕክምናን ኣባላት ዜና ከም ዝሃረመ ኣብቲ ቦታ ብኣካል ዝተረኽበ ወኪልና ሙሉጌታ ኣፅብሃ ኣብ ዝለኣኾ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣብቲ ካልኣይ ደብዳብ በቲ ቦምባ ዝሞቱ ሰባት ኣብ መገዲ ወዲቖም ምርኣዩ’ውን መሰነይታ ስእሊ ወሲኹ ዝለኣኸ ወኪልና የረድእ።
ዋና ዳይሬክተር ሪፌራል ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ክብሮም ገብረስላሴ ናብቲ ሆስፒታል በቲ ደብዳብ ዝተጎድኡ 18 ሰባት ከምዝመፅኡን ካብኦም እቶም 5 ከም ዝሞቱ ገሊፆም። እቶም ቆሲሎም ካብ ዘለዉ እቶም ኣርባዕተ ከቢድ ጉድኣት ከም ዝበፅሖምን በቲ ዘሎ ሕፅረት ናውቲ ሕክምናን ብፍላይ ስእነት ኦክስጅንን መድሓኒት ንምሕካም ንፅገም ኣለና ኢሎም።
ተወሳኺ ዝሞቱ 5 ሰባት ድማ ናብ ሆስፒታል መቐለ ምምፅኦም ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ዶክተር ፊልሞን መስፍን ሓቢሮም።
ብዝሒ መጠን ሞትን መቝሰልቲን ግን ድምጺ ኣመሪካ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ህወሓት ኣብ ከተማ መቐለ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ሰላማውያን ሰባት ምሟቶምን ምቁሳሎምን ኣፍሊጡ'ሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣዛዚ ሓይልታት ክልል ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ እቲ ሰራዊቶም ብዅሉ ወገናት ይምክቱ ከም ዘለዉን ብወገን ሸራሮ ኣብ ዝግበር ዘሎ ኲናት ግን እቲ ቦታ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰራዊት ኤርትራ ምእታዉ ምዝራቦም ንወግዓዊ መራኸቢታት እቲ ክልል ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ'ሎ።