ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደብዳብ ድሮን መቐለ 10 ሰባት ቀቲሉ፡ ተወሳኺ 18 ኣቝሲሉ--ምንጭታት ሆስፒታል


ሎሚ ረቡዕ 4 መስከረም 2015 (14 መስከረም 2022) ኣብ መቐለ ብዝተኻየደ ደብዳብ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) 10 ዜጋታት ክሞቱ እንከለዉ ተወሳኺ 18 ምቝሳሎም ንምንጭታት ሕክምናን ብምውካስን ኣብቲ ቦታ ዝተረኸበን ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ጸብጺቡ።

እቲ ክልተ ደብዳብ ድሮናት ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ዝወረደ ኰይኑ፡ ፈለማ ብኣቆጻጸራ ሰዓት ኢትዮጵያ 1፡40 ኣብ ዓዲ ሓቂ ዳግም ኣምሳል ኣብ መንበሪ ሲቪላውያን ዜጋታት ብምውራድ ንዋና ገዛን ተሓጋጋዚታን ሃሪሙ። ድሕሪ ሰዓት ኣቢሉ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ዝወረደ ድሮን ድማ ናብቲ ቦታ ንምሕጋዝ ህሩማት ዝመጽኡ ጎረባብቲ፡ ሰብ-ሞያ ሕክምናን ኣባላት ዜና ከም ዝሃረመ ኣብቲ ቦታ ብኣካል ዝተረኽበ ወኪልና ሙሉጌታ ኣፅብሃ ኣብ ዝለኣኾ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣብቲ ካልኣይ ደብዳብ በቲ ቦምባ ዝሞቱ ሰባት ኣብ መገዲ ወዲቖም ምርኣዩ’ውን መሰነይታ ስእሊ ወሲኹ ዝለኣኸ ወኪልና የረድእ።

ዋና ዳይሬክተር ሪፌራል ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ክብሮም ገብረስላሴ ናብቲ ሆስፒታል በቲ ደብዳብ ዝተጎድኡ 18 ሰባት ከምዝመፅኡን ካብኦም እቶም 5 ከም ዝሞቱ ገሊፆም። እቶም ቆሲሎም ካብ ዘለዉ እቶም ኣርባዕተ ከቢድ ጉድኣት ከም ዝበፅሖምን በቲ ዘሎ ሕፅረት ናውቲ ሕክምናን ብፍላይ ስእነት ኦክስጅንን መድሓኒት ንምሕካም ንፅገም ኣለና ኢሎም።

ተወሳኺ ዝሞቱ 5 ሰባት ድማ ናብ ሆስፒታል መቐለ ምምፅኦም ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ዶክተር ፊልሞን መስፍን ሓቢሮም።

ብዝሒ መጠን ሞትን መቝሰልቲን ግን ድምጺ ኣመሪካ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ህወሓት ኣብ ከተማ መቐለ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ሰላማውያን ሰባት ምሟቶምን ምቁሳሎምን ኣፍሊጡ'ሎ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት አቶ ጌታችቸው ረዳ ብመልእኽቲ ቲዊተር ነዚ ዝገለጹ ክኾኑ ኸለዉ ቁጽሪ ዝተጎድኡ ሰባት ግን ኣየፍለጡን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ዚ ክሲ ዝሃቦ ምላሽ የለን እንተኾነ ቅድሚ ሎሚ ሰላማውያን ሰባት ኣጥቂዑ ንዝብል ዝቐረቦ ክስታት ኣሉታዊ ምላሽ ምሃቡ ይዝከር።
እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ኲናት ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ቀጺሉ ከምዘሎ ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ይገልጹ'ለዉ። ኣዛዚ ሓይልታት ክልል ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ትማሊ ሰሉስ ንመሓውራት ዜና'ቲ ክልል ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ኲናት ይካየደሉ ካብ መንጎ ዘለዉ ግንባራት ሓደ ግንባር ደደቢት ኣብ ብርኪ ምክልኻል ኔሮም ዝበልዎም ሓይልታቶም ካብ ባሕቲ መሰከረም ጀሚሮም ናብ ወፍሪ መጥቃዕቲ ከምዝተሰጋገሩ ምግላጾም ሓበሬታ ተለቪዥን ትግራይ ሓቢሩ።
ብዛዕባ'ቲ ኲናት ሓበሬታ ካብ ምሃብ ዝተቖጠበ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ዚ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።
ንሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ ርእይቶኦም ዝሃቡ ነበርቲ ስሜን ወሎ ግን ሓሓሊፉ ድምጺ ከበድቲ ብረት ከምዝሰምዑ ተዛሪቦም'ለዉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣዛዚ ሓይልታት ክልል ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ እቲ ሰራዊቶም ብዅሉ ወገናት ይምክቱ ከም ዘለዉን ብወገን ሸራሮ ኣብ ዝግበር ዘሎ ኲናት ግን እቲ ቦታ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰራዊት ኤርትራ ምእታዉ ምዝራቦም ንወግዓዊ መራኸቢታት እቲ ክልል ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ'ሎ።

XS
SM
MD
LG