ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልላዊ መንግስቲ ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣብቲ ክልል ንዘጋጠሙ ጉድኣት ዝመምይ መጽናዕቲ ወግዓዊ ጌሩ


 ቤንሻንጉል ጉምዝ
ቤንሻንጉል ጉምዝ

ክልላዊ መንግስቲ ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዝነበረ ፀገም ፀጥታ ዘጋጠመ መጠን ጉድኣትን ንዳግመ ህንጸት ዘድልይ ቐረብን ዘመልክት ፈላማይ ረቂቕ መፅናዕቲ ወግዓዊ ጌሩ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓን እቲ ክልል ኣቶ ታረቀኝ ታሲሳ ክሳብ ሕጂ ብዝተገብረ መፅናዕቲ ልዕሊ 475 ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎምን ካብኦም ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ድማ ናብ ከባቢኦም ከምዝተመልሱን ገሊፆም።

ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ ኣብ ሰለስተ ዞባታት ልዕሊ 24,000 መንበሪ ኣባይቲ ውልቀ ሰባት፣ልዕሊ 200 ኣብያተ ትምህርቲ፣ልዕሊ 189 ትካላት ጥዕናን ካልኦት ስርሓት ትሕተ ቅርጺን ብሓፈሻ ብገንዘብ ክትመን ከሎ ኣብ ልዕሊ 79 ቢሊዮን ብር ዝግመት ንብረት ጉድኣት ምግጣሙ ይሕብር።

ኣቶ ታረቀኝ ታሲሳ ወሲኾም ዝተረፉ ተመዛበልቲ ንምምላስ መሊስካ ንምጥያስ ከምኡ'ውን ዝዓነው ትሕተ ቅርጺን ዳግም ንምህናፅ ብምትሕብባር ክስራሕ እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG