ዋሽንግተን —
ኣመሪካ ነቲ ዝተጓተተ ከይዲ ትግባረ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ትህቦ ደገፍ ክተቋርጾ ምውሳና ዘጉሂ እዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል መራሒ ደቡብ ሱዳን ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ተዛሪቦም።
ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብሰንኪ መራሕቲ ደቡብ ሱዳን እቲ ከይዲ ሰላም ምዕባለ ብዘይምርኣዩ ኣመሪካ ንከይዲ ሰላም ደቡብ ሱዳን ትህቦ ደገፍ ተቋርጾ ከምዘላ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ኣተኒ ወክ ኣተኒ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ሓጺር ቃለ መጠይቅ ኣመሪካ ሓያል ዓለምን ፖሊሲ ዓለምን እያ ስለዚ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ነባሪ ሰላም መታን ክረክብ ንከይዲ ሰላም እታ ሃገር ናይ ምድጋፍ ሓላፍነት ኣለዋ ኢሎም።
እቶም ወሃቢ ቃል ወሲኾም ኣብቲ ከይዲ ሰላም ገለ ክፍልታት እቲ ስምምዕ ምትግባር ዝተደናጎየ ከም ምውህሃድ ሓይልታትን ምቛም ሓባራዊ እዝን ዝበሉ ምዕባለ እቲ ዝተገብረ ስምምዕ እዩ ኢሎም። ገንዘባዊ ደገፍ ኣመሪካ ኸኣ ኣብዚ ሰዓት እዚ ወሳኒ'ዩ ኢሎም።