ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማል ዘጋጠመ ደርቂ ንብመጓሰ ዝመሓደሩ ዜጋታት ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ክነብሩ የገድድ


ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ሶማልያዊያን - ፋይል
ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ሶማልያዊያን - ፋይል

ሶማል፣ ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቅ ካብ ሞንጎ ዝሕረዳ እንስሳ ዝልእኻ ሃገራት እታ ቀዲማ ትስራዕ ሃገር እያ። ብሕልፊ ኣብ እዋን ኢድ አል ኣድሃ: እንተኾነ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ፣ ንሚልዮናት ጥሪት ስለዝወደአን፣ ሶማልያዊያን ሓረስቶት ተጸጊሞም ገሊኦም ድማ ናብ መዕቖቢ ተፈናቀልቲ ንክኣትው ኣገዲዱዎም ኣሎ።

ኣብ ጥቃ ሞቃዲሾ ዝርከብ ዕዳጋ ብዕራይን ጠለ በጊዕን፣ ብሕልፊ ኣብ እዋን ኢድ ኣል ኣድሓ ዝሒሉ ይራኣይ። ናይ ሎም ዘበን ዋጋ ዝሕረዳ እንስሳት ኣዝዩ ክባር ስለዝነበረ ብዙሓት ንምዕዳግ’ውን ኣይደፈሩን።

ጤል ክዕድግ ናብ’ቲ ዕዳጋ ዝመጸ መሓመድ ኣብዲ ናይ ሎም ዘበን ዋጋ ዝቅመስ ኣይኮነን ይብል።"ሎሚ ንጉሆ፣ ናብ’ዚ ዕዳጋ ብዕራይን ጠለ በጊዕን ክዕድጉ ካብ ሞንጎ ዝመጹ ሓደ እየ። እንተኾነ፣ እቲ ንሓስቦን ዋጋ ዕዳጋን ግና ዝመጣጠን ኣይኮነን። ዋጋ ኣዝዩ ንሂሩ ኣሎ።"

ኪኢላታት ግና ጠንቂ ምንሃር ዋጋ ዝሕረዳ እንስሳ፣ ዝቅባበን ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጓኒፍዎ ዘሎ ደርቂን እዮም ይብሉ።

ነባሪ ዞባ ታሕተዋይ ሸበሌን ንባዕሉ ወናኒ ጥሪታት ዝነበረ ማርሺይ ሳላሶው ብወገኑ፣ ሎሚ ኣብ መዕቖቢ ተፈናቀልቲ እዩ ዝነብር ከምዚ ድማ ይብል "መጓሰ ነይረናኒ እየን። ግን እንታይ ይገበር ብሰንኪ ደርቂ ኩለን ሃሊቀናኒ። ደርቂ ውሽጣዊ ተመዛባሊ ገይሩኒ ኣሎ። ከምትሪእዎ፣ ዝተረፈኒ ነገር የለን። በጃኩም ሓግዙኒ።"

ኣማኻሪ ሚንስትር ሰብኣዊ ጉዳያት ሓሰን ኢሴ ‘ብሰንኪ ደርቂ ኣስታት 700 ሽሕ ጥሪት ኣብ ሶማል ከምዝሞታ ይዛረብ። ሶማልያዊያን፣ ምንጪ ቁጠባዊ ኣታዊኦም ዝነበራ ጥሪቶም ተወዲኤን እየን ከምዝበለ'ውን ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG