ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ተኹሲ 19 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ከተማ ሶዌቶ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ እንዳ መስተ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ተኹሲ 15 ሰባት ክሞቱ ከለው ትሸዓተ ድማ ቆሲሎም።

ፖሊስ እቶም ዕጡቓት ኦርላንዶ ኢስት ኣብ ዝተባህለ እንዳ መስተ ናብ ሰንበት ዘውግሓ ምስ ኣተው ኣብ ልዕሊ እቶም ዓማዊል ብሃንደበት ቶኽሲ ከፊቶም ይብል።

ፖሊስ ቅድም ኢሎምም ኣብ ዝነበሩ ስዓታት ካብ ከተማ ሶዌቶ 500 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከተማ ፒየተርማሪቲዝበርግ ኣብ ዝርከብ ሓደ እንዳመስተ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ተኹሲ ኣርባዕተ ሰባት ምሟቶምን ንሸሞንተ ምቁሳሎምን ይሕብር።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ክልቲኦም ኣጋጣሚታት ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ዘጠራጥር የለን ይብል።

ኣብ ክልቲኡ ፍጻመታት እቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ሃዲሞም ይድለዩ ኣለው፤ብዝሒ ኣብቲ መጥቓዕቲ ዝተሳተፉን ስለ ምንታይ ከምዝፈፀሙዎን'ውን ኣይተፈልጠን።

60 ሚሊዮን ህዝቢ ዘለዋ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 20,000 ሰባት ዝቕተሉላን ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብ ኣዚየን ብዙሕ ህውከት ዘለወንን ብዝሒ ቕትለት ዝፍጸመላ ሃገር እያ።

XS
SM
MD
LG