ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓባራዊ መግለጺ ኣመሓዳርቲ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን


ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያንን ኣንፃር ግብረ ሽበራዊያን ኢሎም ዝፀውዎም ጉጅለታት ብሓባር ንምክልኻል ከምዝሰርሑ ኣፍሊጦም።

ኣመሓደርቲ ክልቲኣን ክልላት ብሓባር ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣብ ዝሓለፈ ቅኒያት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ ጭፍጨፋ ብንክልቲኦም ክልላት ብምፍልላይ ናይ ምፍራስ ተልእኾ ዘለዎም አካላት ዝተፈጸመ እዩ ኢሎም።

ተመሳሳሊ ተግባራት ከይፍፀምን መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ኢሉ ዝፅውዖ ንባዕሉ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ኢሉ ዝፅውዕን ንምጥፋእ ክልቲኦም ክልላት ተሓባቢሮም ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለን ኣማሓዳሪ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳን ገሊፆም።

ንናይ ክልቲኦም ክልላት መግለፂ ብዝምልከት ርእይቶ ዝሃቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፌደራሊስ ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ ጥሩነህ ገምታ እቲ ስጉምቲ ነቲ ፖለቲካዊ ቅልውላው ከጋድድ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከምዘለዎም ክገልፁ ከለው ናይ ኣዴሃን ኣቦ ወንበር ኣቶ ተስፋሁን ኣለምነህ ድማ ነቲ መግለፂ ደጊፎም።

ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ብዝተፈፀመ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐተሉ ካብቲ መጥቓዕቲ ዝተረፉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊፆም እዮም።ብዛዕባ እቲ መጥቓዕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገና ኣብ ምፅራይ ከምዝርከቡ ይገልፁ። ኣመሪካን ሕቡራት ሃገራትን ሓዊሱ ዝተፈላለያ ሃገራትን ትካላትን ነቲ መጥቓዕቲ ብምኹናን ሕ/ሃ ብገለልተኛ ኣካል ክፃረ ፀዊዑ ኣሎ ።

ነቲ መጥቓዕቲ ከምዝፈፀመ ብመንግስቲ ዝተኸሰ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ነቲ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ብትሪ ብምኹናን እዚን ካልኦትን ዝተፈፀሙ መጥቓዕታት ብነፃ ኣካል ክምርመር ፀዊዑ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG