ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ዝተመርጹ ፕረዚደንት ሶማል ቃለ-መሓላ ፈጺሞም


ሓድሽ ዝተመርጹ ፕረዚደንት ሶማል
ሓድሽ ዝተመርጹ ፕረዚደንት ሶማል

መበል 10ይ ፕረዚደንት ሶማል ኮይኖም ዝተመረፁ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ትማሊ ሓሙሽ ስርሖም ብስሩዕ ጀሚሮም። ትማሊ ኣብ ዋና ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ቃለ መሓላ ፕረዚደንታት ክልተ ጎረቤት ሃገራትን ክልተ ቀዳሞት ሚንስትራት ከምኡ እውን 100 ዲፕሎማት ሓዊሱ ልዕሊ ሓደ 1,000 አጋይሽ ከምዝተረኸቡ ተፈሊጡ ኣሎ።

66 ዓመት ዝዕድሚኦም ፕረዚደንት ሓሰን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ "ክብሪ ሶማል ንምምላስን ምስ ዓለም ሰናይ ርክብ ንምምስራት ኣብታ ሃገር ዕርቅን ሰላምን ንምምፃእን ክሰርሕ እየ’’ኢሎም።

ኣብቲ ስነስርዓት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ፣ ፕረዚደንት ጁቡቲ ኢስማዒል ዑማር ጉሌህ፣ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን ቀዳማይ ሚንስትር ግብፂ ሙስጠፋ ማድቦሊናን ተረኺቦም ኔሮም።ኣብቲ ስነስርዓት መደረ ዘስምዑ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ እቶም ፕረዚደንት ንሶማል ክሃንፁ ከለው ሓገዝ ኢትዮጵያ ከምዘይፍለዮም ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG